• ጣቕዒት ኤርትራ: ኣብዘይቦታኣ ንዘይዋናኣ

    ጣቕዒት ወይ ጨብጨባ፡ ናይ ሰባት ምልክት ሓጎስ፡ ሓድነትን ጥምረትን፡ ምስጋናን ደገፍን፡ ሞራል ምሃብን ምትብባዕን ምዃኑ ኣየማትእን። ቀልቢ ዘለዎም ጥዑያት ሰባት ድማ:፡ ጣቕዒት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ መሳጢ መደረ፡ ደርፊ፡ ድራማ፡ ስፖርታዊ ውደድር ወዘተ የንጸባርቕዎ።

    ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሽካጎ ኤሊኖይ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዲሞክራሲ፡  ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብወግዒ ሕጹይ ንምቕራብን ደገፎም ንምሃብን፡ ካብ 19 ክሳብ 22 ነሓሰ ን4 መዓልታት ዉዕዉዕ ዋዕላ ኣካይዶም።

    ኣብቲ  ዋዕላ፡  ሕጹያት፡ ፖለቲከኛታትን ጽልዋ ዘለዎም ውሩያት ሰባትን በብተራ መደረ ምስ ኣቕረቡ ዝተራእየ ናይ ሓጎስ ጫውጫውታ፡ ዝተሰምዐ ነጎድጓዳዊ ጣቕዒት፡ ምንብልባል ባንዴራ ኣመሪካን ምስሊ ሕጹያትን ከምኡ እውን ኣስማት ብምጽዋዕን፡ ነቲ ሃገርገር ዝብል ብሕብራዊ መብራህቲ ዝወቐበ መአከቢ ኣዳራሽ ፍሉይ ድምቀትን ግርማን ሂብዎ ነይሩ።

    ነቲ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ናይ ኣመሪካ ኣብ መስርሕ ምምራጽ መራሒ ሃገር ዝተዋህበ ትሕዝቶ መደረን ናይ ተሳተፍቲ ዋዕላ ደገፍን ኣድናቆትን ንምንጽብራቕ ዝተራእየ ማዕበላዊ ዘጣቕዒትን ፍስሃን፡ ምስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ መፋርቕ 2018 ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን ዘስምዖ ናይ ክድዓትን ውርደትን መደረን ብደገፍቱ ዝተራእየ ጣቕዒትን ከወዳድሮ ፈቲነ።

    ከምቲ፡ “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ዝብሃል፡ ኤርትራዊ ምስ ኢደ እግርኻን 5 ህዋሳትካን እንከለኻ እሱርን ዓባስን ክትከውን እንተመሪጽካ ብዘይካ ንነብስኻ ንኻልእ ክትከስስ ወይ ሓላፍነት ከተሰክም ኣየምሕረልካን ኢዩ። ምኽንያቱ እንተድኣ ምስ ሓራዲኻን ቀታሊኻን ምሕዝነት ክትፈጥርን ክትነብርን እንተመሪጽካ ብዘይካ ይፍትሓላ ደንጋጺ የብልካን።
     
    ስለዚ ንመንን መኣስን ስለምንታይን ተጣቕዕን ትምጉስን ኣኽብሮት ትህብን ንበረልና ትብልን ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ኤርትራውያን ተስፋ ንገብር ሓደ መዓልቲ ንምዕባለና ዝሰርሑን ዝጓስዩናን መራሕትናን ወከልትናን ክንመርጽ እንከለና በቲ ዝህብዎ ህዝባዊ መደረን ሃገራዊ መርገጽን ተመሲጥና ሓጎስና ብጣቕዒት ክንገልጸሎም። “ይርሓሱና” ኢልና ቆጽሊ ከነውድቀሎምን ክንምርቆምን።
     
    እንተ ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ ቆሪኑ ደምና ዝመጺ ዓጽምና ዝግህጽ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ብታሕጓስን ሓበንን ከነጣቕዓሉ ይትረፍ  ክንጸርፎን ክንነቕፎን እውን መሰል የብልናን። እታ ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ትብርከተሉ ዘላ ጣቕዒት፡ ኣብዘይቦታኣን ንዘይዋናኣን ትውሃብ ከምዘላ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።
     
    ቢተወደድ፡ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ

DONATE TO ERIPM