ኣብ መርዓይ እንተዘይውዒልካ፡ ኣብ ቀብረይ ኣይትምጻእ
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ንዘበናት ዝጸንሐ፡ “እምቢ ንመግዛእቲ እወ ንፍትሒ” ዝብል ኒሕን መንፈስን ቃልሲ ንመሰልን ምክልኻል መሬት ዓደቦን ተራእዩ ኢዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ፡ ብድፍረትን ብስሕለትን ምእንቲ ፍትሒ ተወፍዮም ኢዮም። እቲ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ንጸላኢ ከይተረፈ ዘስደመመ ጅግንነት፡ ተወፋይነትን ጽንዓትን ኤርትራውያን ከኣ ሓደ መርኣያ ኢዩ።
ከምቲ ኣብ ጽሩይ እኽሊ ክርዳድ ዝርከብ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ንመሰሉን ንሃገሩን ዝቃለስ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሓደ ክልተ ምስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም፡ ጉዕዞ ናጽነት ዘዕንቅፉ፡ ህዝቦም ዘንብዑን ትፍኦም ዝልሕሱን ኤርትራውያን ሓርኢ እኽሊ ግን ነይሮም ኢዮም።
ብኣኣንጻሩ፡ ነቲ ካብ ተንኮላት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ መሰልና ዝግህስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምእንቲ ፍትሒ ግንባሮም ንዓረር ዝሃቡን ኣብ ከብዲ ዓማጺ ኮይኖም ተቃውሞ ዘስምዑን ሓቂ ዝገለጹን ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣይተሳእኑን። ዋላኳ ሓሶት ዝኣመሉ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነቲ ብኤርትራውያን ኣንጻሩ ዝርአ ተቃውሞ ዘይትርጉሙ ይሃቦ፡ ወትሩ ፍትሒ ንምንጋስን ክብሪ ሰባት ንምሕላውን’ዩ ዝሕተት።
ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ዝተራእየ ተቃውሞ ናይ ኤርትራውያን ሃገራውያን፡ ገሊኡ ዝርዝር መበገሲኡን ዝተላዕለ ሕቶን ብኸመይ ቅሂሙን ብንጹር ኣይፍለጥን ኢዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን ብፍላጥ ካብ ብኽድዓት ሃገርን ህዝብን ምኽሳስን ምጽላምን፡ ካልእ ቅኑዕ ሓበሬታ ክህቡ ትብዓትን ቅንዕናን የብሎምን።
ናይ ብመንካዕ፡ ብየሚን፡ ስርሒት ፎርቶ ወዲ ዓሊ፡ ጳጳስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ሓጂ ሙሳ፡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጥ ናይ ኤርትራውያን ተቃውሞ ከይረሳዕናን እቲ ብተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃን ብተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀን ኣብ ኣፍንጫ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ንህዝብና ዘቕረብዎ ታሪኻዊ መጸዋዕታን ዘልዓልዎ ዲሞክራስያዊ ህዝባዊ ሕቶን፡ ንዘልኣለም ካብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ሓቐኛን ንፍትሒ ዝማጎትን ኤርትራዊ ዘይሃስስ ሰነድ ኢዩ።
(ቁንጫል ካብ ቅድሚ ሎሚ ቢተውን ብርሃነን ዝሃብዎ መደረ ድምጾም እንተዝሕወሶ መቀረት ምሃለዎ)
ህሉዋት፡ ነቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ቢተወደድን ብርሃነን ዝወልዕዎ ሽግ ናጽነትን ኣይፋልን መሊኡ ክውላዕ ዋጋ ስለዘይከፈልናሉን ስለዘይስዓብናዮን ግን፡ ወርቃዊ ቃላቶም ክሳብ ሎሚ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድቃስ ዝኸልእን ተግባራቱ ዘቃልዕን እምበር ካብ ሰራውሩ ክምሕዎ ኣይክኣለን።
ሓርበኛ ቢተወደድ ኣብርሃ ብይወቱ ይሃሉ ኣይሃሉ ብርግጽ ዝፍለጥ እኳ እንተዘየለ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንተጋዳላይ ቢተው ብርሃን ጸሓይ ክሕርሞ፡ ክንጸልን ህይወቱ ብስቃይ ክሓልፍን ንዓመታት ስለዝሓየሮ፡ ትብዓቱን ለበዋኡን ንዓና ኤርትራውያን ህያውን ሞባእን ኢዩ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብ መስከረም 2018 ብዘይ ፍርዲ ን6 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ጉጅለ ህግደፍ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ20 ነሓሰ 2024 ኣብ መዳጎኒ ሸላ ህግደፍ ህይወቱ ሓሊፉ። ብጉጅለ ህግደፍ ተዓፊኖም ምስተወስዱ፡ ብህይወቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ዘይፍለጡ፡ ስድራቤቶም ዘይተረድኡ፡ ብወግዒ ዘይሓዘኑሎምን ሓመድ ኣዳም ዘይለበሱን ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ንቃንዛና ዝያዳ የብእሶ።
ራህዋን ጽቡቕን ክትረክብ ዋጋ ክትከፍል ከምዘለካ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ኣውራ ዘልምሰና፡ ዝጎተናን ዘድፍረናን ዘሎ ዘይተፈወሰ ድኻም፡ ድሕሪ ምሕያርን መስዋትን ናይ ጀጋኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሳዕሪሩ ካብ ዘሎ ዓቢ ጸገም፡ ምድኻምን ምጥፋእን ልቦናን ኣስሓኮን ህዝብና ኢዩ።
ኣብ ኤርትራውያን፡ ክፋል ኣካላትካ እንዳተነኽሰን እንዳሞተን፡ ስቕታን ሕማም እንታይ ገደሰንን፡ ምምራጽን ከም ንቡር ምርዓምናን ኢዩ። ብዘየማትእ፡ ቢተወደድ፡ ብርሃነን ካልኦት ኤርትራውያንን፡ ዋጋ ዝኸፈሉሉን በብእዋኑ ዘልዓልዎን ፍትሓዊ ሕቶን፡ ክንምልሶን ኣብ ምዕራፉ ከነብጽሖን ዕዮ ገዛ ሂቦሙና ኣለዉ።
ኤርትራውያን፡ ቃል ናይቶም ብጉጅለ ህግደፍ ዝተቀንጸሉን ዝተሓየሩን ኣዕቢርናን ቀዳምነትና ረሲዕናን፡ ሓድሕድና ክንመናጨት፡ ደም ክንፋሰስን ግዜና ነባኽንን ከምዘለና እንተፈሊጦም ግን፡ “ስረና ዘይዓጠቑ ጠላማትን ሰነፋትን ጃጀውትን” ክብሉና ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ዓይኒ ዘንቑሑን ብግሁድ ምእንቲ ህዝቦም ዝተበጀዉን ኤርትራውያን፡ በብሓደ ብሕቡእ ክለቕሞምን ክሕይሮምን እንከሎ፡ “ደለይቲ ፍትሒ ኢና” ንብል ኤርትራውያን፡ ብጎቦ ዓይንና ክንዕዘብን ነብስና ፈቲና ክንቑዝምን ክልተ ሞት ኢዩ።
ከምቲ “ዘየተሓድር ኣየማሲ” ዝብሃል፡ እቶም ብግዝያዊ ረብሓን ሕልና ብምሻጥን፡ ምስቲ ኣጽናቲና ጉጅለ ህግደፍ ብቐጥታን ብሕጓን፡ ህዝብኹም ተድምዩን ንተቃለስቲ ክብሪ ትኸልኡን ዘለኹም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰማይን ኣብ መሬትን ፉንፉናት በላዕቲ ክልተ መኣድን ኢኹም።
ከምቲ ብገለ ተዋዘይቲ ”ኣብ መርዓይ እንተዘይውዒልካ፡ ኣብ ቀብረይ ኣይትምጻእ” ዝብሃል፡ ሰብ ብህይወቱ እንከሎ ጻማኡ ክትፈድዮን ክትሓልፈሉን፡ “ኣብ ጎድንኻ ኣለኹ” ክትብሎን ኣለካ። ብድፍረት ኣብ ቅድመ ግንባር ወጺኡን ንፍርሒ ስዒሩን፡ ምእንታኻ ምስተወፈየን ምስተሓየረን ትጠልሞ እንተኾይንካን ኣሰሩ እንተዘይስዒብካን ግን፡ ንዝሞተ ሰብ ትንፋስ ምሃብ’ዩ ዝሕሰብ።
ቢተወደድ፡ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ