ስልጣን፡ ንለባም ይኸብዶ ንዓሻ የዕብዶ
ሓደ ክልተ ገርሀኛታትን ምሁራት ዝመስሉ ገልዳማትን፡ “ መንግስቲ ኤርትራ ንኣፍሪቃ ኣብነት ዝኸውን ሜላምሕደራን ቁጠባዊ ፖሊሲን ይኽተል ኣሎ” ብምባል፡ ነቲ ብዘይ ቅዋምን ምርጫን ብዘይ ካቢነ ሚኒስተራትን ባይቶን ከምኡ’ውን ብዘይ ልዕልና ሕጊን ፍሉጥ ባጀትን ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜናን ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ይውድሱን የቀናጅዉን።
ነቲ ንዓመታት ደም ንጹሃት ዝሰቲ፡ ሃብቲ ሃገር ዘባኽን፡ ፍትሒ ዝረግጽ ተስፋ መንእሰያት ዝዘጸልምት፡ ስድራቤታት ዝበታትን ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከኣ፡ “ኣንበሳ ኣፍሪቃ፡ በዓል ዓቢ ራኢ” ኢሎም ይሰግዱሉ፡ የጣቕዕሉን ልዕሊ ፈጣሪ የምልኽዎን።
ዋላ ኣግሂዱ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ኤርትራ ዓንያ ኢያ” ኢሉ ናይ ክድዓትን ጥልመትን መደረ እንተኣስምዐ፡ ኣብ ክንዲ “ስለምንታይ” ኢሎም ዘዋጥርዎን ኣብ ሕጊ ዘቕርብዎን፡ ብዕልልታን ዳንኬራን የስክርዎ። ነቲ “ክሓርደኩም’የ ክሕይረኩም’የ” ዝብሎም ካራን ሰንሰለትን የቐብልዎ።
እቲ “ መንግስቲ ኤርትራ ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ዝኸውን ቁጠባዊ ፖሊሲ፡ ምሕደራን ናጻ ሕርያ ዲፕሎማሲ ኣለዎ” ዝብሃል ፍልስፍና ግን ጉጅለ ህግደፍ ዘይልሙድን ስግንጢርን ኣካይዳ ስለዘለዎ፡ ንውልቀ ምልካውያን ሕማቕ ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ህዝቢ ዝማእከሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ሃገር ግን መልኣከ ሞት ኢዩ።
ኣብ ተሞኩሮ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰባት ብዝህብዎ ኣፍራይነት ዘለዎም ብቕዓትን ዘይኮኑ ዝምደቡ፡ እቲ ቀንዲ መምዘኒ ረቋሒ ክሳብ ክንደይ ንመላኺ ይምእዘዙን ልሙሳትን ኢዩ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ድማ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሓለፍቲ ኣብ ዝደለዮ ክሸይምን ከባርርን ዕድል ሂብዎ።
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ደርዘን ሚኒስትሪታት፡ ክፍሊታትን ኮሚሽናትን’ኳ እንተለዋ ኩለን ካብ ብሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ርሒቐን ብቃሕታ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኢየን ዝዝወራን ዝመሓደራን። ሚኒስተር ናይ ሓንቲ ሚኒስትሪ ብሕማም፡ ብሞት ወይ ብኻልእ ምኽንያት ኣብ ሓላፍነቱ እንተዘየልዩ፡ እታ ሚኒስትሪ ብዘይ ሚኒስተር ክትቅጽል ትኽእል’ያ።
ምኽንያቱ ብቀደሙ’ውን ሓላፍነትን ኣድማዕነትን ናይቲ ሚኒስተር ስማውን ልሙስን ስለዝኾነ፡ ዝበኩርን ዝጎድልን ረብሓታት ህዝቢ የለን። ንኣብነት ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ብጥይት ተሃሪሙ ሰንኪሉ ኣይምዉት ኣይስሩር ካብ ዝኾነሉ ክሳብ ሎሚ ቦታኡ ኣይተተክአን።
ዝበዝሑ ብደረጃ ሚኒስተር ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሰባት ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዞም ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣተሓሳስብኦም ምስ ዘበናዊ ዓለም ዘይጓዓዙን ኢዮም።
ኣብጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ክሲ፡ ፍርዲ፡ ተኸላኻሊ ጠበቃን ጭቡጥ መርትዖን ንዓመታት ምሕያር፡ ካብ ዝለዓለ ናብ ዝተሓተ ስልጣን ምውራድን ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ሓላፍነት ምሕኳርን ልሙድ ኢዩ። ስለምንታይ ኢልካ ምሕታት ነውሪ ገበን ኢዩ ዝሕሰብ። መእሰሪኻን መፍትሒኻን ምኽንያት ብንጹር ኣይግለጸልካን ኢዩ። ዝተበደልካዮን ኣብ ኣካላትካ ዝበጽሓካ ገበናትን ክትሓትት መሰል የብልካን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግዕዙይ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ልሙድ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣይኮነን ዝኽተል። ሚኒስተር ወይ ሓላፊ ክፍሊ ከይፈለጠ ብዛዕባ ትካሉ ውሳኔታትን ምቕይያራትን ብቑራጽ ወረቐት ዘይተጋላብጥ መምርሒ ይመጾ። እቲ ናይ በረኻ ሕጊ “ትእዛዝ ፈጽም ብድሕሪኡ ግቡእካ ትሓትት” ትብሃል።
ከም በዓል ኣውል ስዒድ ዝኣመሰሉ ክኢላ ፕሮፖጋንዲስታን ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ሓምየንን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዕሊ ክገልጽዎ ዘይክእሉን ዘይደልዩን ፖሊሲ ጠቀስ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓጀው ክብል እንከሎ፡ ንውልቀመላኺ ኢሳያስን የማነ ገብረኣብን ማንኪ ዝተክኦም ኢዩ ዝመስል።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ኣኼባታትን፡ እቲ ንስሙ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሃል መንግስቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ’ዮም ቀለስትን ገበርትን ሓደግትን። ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ሓጎስ ንገብሪሂወትን (ኽሻ) መራሒ መስርዕ ናይ ሚኒስትሪታት ንግዲ፡ መጓዓዝያን ፋይናንስን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህጣሙ ኣጥፊኡ ዘሎ ርእሲ ናይ ስማዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ድማ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ስሩዕን ልሙድን ቅርጺ ወይ ዕማም መንግስቲ ስለዘየለ፡ ንጸገማትን ጠለባትን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትሕን ዝምልስን ምሕደራ ኣይሕሰብን ኢዩ። ካብ ቅሉዕ ምሕያር፡ ቅትለት። መቕጻዕቲ ገንዘብ ምዝማትን ምዕሻግን ንብረት፡ እቲ ንጠስሚ ወይ ንቅባኢ ዘለዎ ጸብሒ ዝወሃብ “ምድስካል” ዝብል ቃል’ውን ንሰባት ካብ ስራሕ ደስኪልካ ማለት ጠጠው ኢልካ ኣለኻ ይበሃል። ብተወሳኺ ጨናፍር ገረብ ንምቑራጽ ወይ ንምእላይ ዝዝውተር ብፋስ ወይ ብምሳር ምጽልጻል ገረብ ኣብ ሰብ እውን ተጸልጺልካ ኣለኻ ማለት፡ ካብ ስራሕካ ወጺኻ ኣለኻ ይብሃል።
ብስም ሃገራውያን ማሕበራት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን ኣብ ስደት ዘሎ ብራብዓይ ግንባር ዝፍለጥ ውዳበን ስለያዊ መሓውራትን ዝተጠናነገ መስመራት ስለዘለዎ ዕድመ ስልጣኑ ክቅጽል ኣኽኢልዎ ኣሎ። ከምቲ “ስልጣን ንለባም ይኸብዶ ንዓሻ ድማ የዕብዶ” ዝብሃል፡ ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን ስለዝዕብዶ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ኣይከብዶን ኢዩ። ኣብ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ስልጣን ማለት ኣገልጋሊ፡ ጓሳን ልኡኽን ህዝቢ ዝብል ትርጎም ከምዘለዎ ፈጺሙ ኣይስቆሮን ኢዩ።
ቢተወደድ፡ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ