ሩስያ ኣብ እተአንግዶ ዘላ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ብሪክስ ኣብ ምስታፍ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሃገሩ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ 3ይ ዝዓበየ ቁጠባ ዝሃነጸት ሃገር ምኳና ገሊጹ።
ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ኣብ ሩስያ ዝርከብ መራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ መደሩኡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕተ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣተኣማማኒ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘለዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እትውንኖ ኣፍራይ ሰባኣዊ ሓይልን፡ ሃብታም መሬታዊ ጸጋታትን ምንጪ በጺሓቶ ዘላ ብራኸ ምኳኑን ኣብ ኣተኣማማኒ ጉዕዞ ምህላዋን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚራ ናብ ማክሮ ኢኮኖሚክስ ምጽንባራ ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት ምኳኑ ዝጠቀሰ ኣብይ፡ ኢትዮጵያ ናብ ማክሮ ኢኮኖሚክስ ምጽንባራ፡ ዓቢ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንከተአንግድ ባብ ዝከፍት ዕድል ምኳኑ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎን ብዛዕባ ግጭት ዩክሬን ብሰፊሑ ዝዘተየን ባይቶ ዋዕላ ብሪክስ፡ ኪኖ ግጭት ዩክሬን ንምዕራፍ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንጉዳይ ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ዘመልከታ ኣስታት 30 ሃገራት ኣልዒሉ፡ ኣብ ዙርያ ኣባልነት ከምዝዘተየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ሞዲ ኣብ ዩክሬን ምርግጋጽ ሰላም ከምዘድሊ ንቭላድሚር ፑቲን ዝገለጸ ኮይኑ፡ መራሒ ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ጂን`ፒንግ ብወገኑ፡ ብጉዳይ ኲናት ዩክሬን ምስ መዘኑኡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዕጹው ዘተ ከምዝተዘራረበ ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ንምስፍሕፋሕ ብሪክስ ከም ዓቢ ኣጀንዳ ኣቀሚጡ ዝዝተየ ባይቶ መራሕቲ ብሪክስ፡ ኣብ’ዚ እዋን ከም ቱርኪ፡ ባሕሬን፡ ኩዌትን ካሎኦት ዘተኣማምን ቆጠባዊ ዕብየት ዘለወንን፡ ኣስታት 30 ሃገራት ሕቶ ኣባልነት ብሪክስ ከምዘቅረባን፡ እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ንንምምካት ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽልዋ ምዕራባውያን ከም ዕላማ ኣቀሚጡ ዝተመስረተ ብሪክስ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ን45 ሚእታዊት ቁጽሪ ህዝቢ ዓለምን 35 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለምን ዝሓዘ ግዙፍ ጉጅለ ክኸውን ምብቅዑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዓለማዊ ቁጠባውን ጂኦፖለቲካውን ሚዛን ንምዕቃብ ኣብ ዘገድስ መደብ ምውሳክ ኣባላት ሃገራት፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይተከኣለ”ዩ ዘረድእ።
ኣብ’ዚ ጉዳይ ሪኢቱኡ ዝሃበ መራሒ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ ብግሎባል ሳውዝ ዝፍለጣን፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣሜሪካ፡ ኤስያ፡ ካሪብያንን ርሑቕ ምብራቕን ዝርከባ ሃገራት፡ ምስ ብሪክስ ዘለወን ርክብ ንምሕላይልን፡ ኣባልነት ንምሓዝን ዘለወን ድሌት ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ዓቢ ጌጋ”ዩ ክብል ገሊጹ ይርከብ።
ኣብ ካዛን ሩስያ ኣብ ዝጀመረ መበል 16 ዋዕላ ብሪክስ: ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ: ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ:ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ: ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን፡ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዝሽክያንን፡ ዝርከብዎም ልዕሊ 20 መራሕቲ ኣሳቲፉ”ዩ ኣብ ዘተ ዝርከብ።