ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ (RSF)፡ ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ኣቡጋል ካይካል ምስ እሙናት ወተሃደራቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ከም ግብረመልሲ ስድራቤት እቲ ኣዛዚ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 25 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ብርክት ዝበሉ ብጾቱ ብምኳን ንሓይልታት RSF ከዲዑ ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽንባሩ ኣብ እዋኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ RSF ንግብረመልሲ ክድዓት እቲ ኣዛዚ ብዝከፈቶ መጥቃዕቲ፡ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየላ ከተማ ሩፋ ናይ ግዛኣት ኣል-ጀዚራ 25 ንጹሃን ዜጋታት ሱዳን ምቅታሉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ፡፡
ብመሰረት ኣባል ኮሚተ ከተማ ሩፋ ዝኮነ ነባሪ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ብዘይካ”ቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ዘውረዶ ጉዳኣት፡ ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ መደበራት ጥዕና፡ መንግስታውያን ቤትጽሕፈታትን ካልእን፡ ከምዝዘመተን ከምዘዓነወን ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ኩነታት ዝሰጉኡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እታ ከተማ ውን፡ ነብሶም ንምድሓን ነታ ከተማ ገዲፎማ ይግዕዙ ምህላዎም”ዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ዘረድእ።
ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ሰራዊቱ ኣብ ሰማያት ዳርፉር ንእትበርር ዝነበረት ስርሓት ሩስያ ዝኮነት ነፋሪት ሃሪሙ ከምዘውደቀ ገሊጹ።
እቲ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ተወቂዓ ዝወደቀት ነፋሪት ግብጻውያን ኣብረርቲ ዝመርሕዋ፡ ኢሉሽን 11-76 ዝተሰምየት ስርሓት ሩስያ ምኳና ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ መንነቶም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እታ ነፋሪት ዳዕመል ሰሪዕ ከቢብዋ ናብ ዝርከብ ከተማ ኤል ፋሽር መድሃኒትን ሰባኣዊ ጠለባት ሂወትን ንምብጻሕ ኣብ በረራ ዝነበረት ኣንቶኖቭ ምኳና ብምጥቃስ፡ ንመግለጺ RSF ኮኒኖም ።
እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 2ሱዳናውያንን 3ሩስያውያንን ዜጋታት ኣሳፊራ ምንባራ ንዝተገልጸ ሓበሬታ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ከጻርዮ ምኳኑ ብወግዓዊ መግለጺ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺ RSF ስማ ዝተጠቅሰት ግብጺ ብወገና፡ ነቲ “ብግብጻዋያን ኣብረርቲ እትምራሕ ነፋሪት’ያ” ዝብል ሓበሬታ ከምዘይትቅበሎን ከምዝነጸገቶን ኣፍሊጣ ትርከብ።