መደበር ተለቪዥንን ራድዮን ኤሪፒኤም፡ ትካላዉነቱን ህዝባውነቱን ንምርግጋጽ ዘኽእሎ ዓንደ ሕጊ ነዲፉ ንምጽዳቚ ምስ ህዝቢ ይመያየጥ ኣሎ። ኣባላት ኤሪፒኤም ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተመስከረ ጌጋ ብግቡእ ተረዲኦም፡ ነዛ ናይ ቃልስን ፍትሕን ማዕከን ዜና ብዋንነትን ምእዘናን ህዝቢ እትነጥፍ ሃገራዊት ማዕከን ንምግባራ ዘድሊ ምድላዋት ገይሮም እዮም ነዚ ምስ ህዝቢ ናይ ምምይያጥ መድረኽ ከፊቶም ዘለዉ።
ኣብ’ቲ ብ26 ጥቅምቲ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ዝተኻየደን፡ ክሳብ እቲ ተነዲፉ ዘሎ ዓንደ ሕጊ ፍጹምነቱ ዝረጋገጽ ድማ ዝቕጽልን ክፉት ዘተ ፡ ህዝቢ ኣብ ነጥብታት እቲ ዓንደ ሕጊ ዘለዎ ርእይቶ ይእከብ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ተመሳሳሊ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም 2 ሕዳር እዉን ኽቕጽል ከምዝኾነ: ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ዕዱም ምዃኑ ተነጊሩ ኣሎ።
ማእከላይ ዕላማ ናይ’ቲ ተነዲፉ ዘሎ ዓንዲ ሕጊ፡ ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ክርእዩ ዝብህጉን ዝቃለሱን ዘለዉ ዜጋታት፡ ወነንቲ እዚ ትካል ኾይኖም ፣ ንኸም ቦርድ ዳይረክተራትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካየድቲን ባዕሎም ዝመርጽሉ ትካላዊ ሃዋህው ንምፍጣር ኾይኑ፣ ብኻል ወገን እዉን ኤሪፒኤም ተሓታትነት ዝማእከሉን፡ ራኢኡን ዕላማኡን ዘነጸረን ዜናዊ ትካል ኾይኑ ክነጥፍ ዘኽእልዎ መርሓታት ንኽውንን እዩ።
ኣብ’ቲ ተኸፊቱ ዘሎ ህዝባዊ ዘተ፡ ሓያለ ዜጋታት ሃንጺ ርእይቶኦምን ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብልዎ ሸነኻትን የካፍሉ ከምዘለዉ: እዚ ድማ እቲ ተነዲፉ ዘሎ ዓንዲ ሕጊ ንጹርነት ወኒኑ ንኽጸድቕ ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎ ይንገር።
ኤሪፒኤም ጸግዒ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሒዙ ኸገልግል ዝጽዕት ዘሎ ሻራዊ ትካል ኮይኑ: ዕላማኡ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ምሕባርን ምጉስጓስን እዩ።
ኣብ ሃገር ፍትሒ ጓዕጺጹ ህዝብና ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ዘይሻራዊ ሚድያ ኸተሰጒም ወድዓዊ ከምዘይኮነ ዝተገንዘቡ ኣባላት ኤሪፒኤም ፡ ጸግዒ ናይቲ ዉጽዕ ሓፋሽ ኪሕዙን ብድሌታቱ ተማእዚኖም ኽነጥፉን ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከቡ።