ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ላስቬጋስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ከምዝተጎዱኡ ተገሊጹ።
እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ብ24 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ኮይኑ፡ ኣባላት እታ ስድራ ኣብ መደቀሲኦም እንከለዉ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኳኑ”ዩ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝገልጽ።
ኣብ እዋን ሓደጋ ብዘይካቶም ሰብ ሓዳር ስድራቤትን ደቆምን፡ ሓው እቲ በዓል ቤት እውን ከምዝነበረ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣደን ህጻንን፡ካብ ሃልሃልታ ንምህዳም ካብ መስኮት ሳልሳይ ደርቢ ዘሊሎም ንስክላ ከምዝተረፉን ኣብዚ አዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሕክምና ከምዘለውን፡ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ ስድራቤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል የረድእ።
“ምስ ግዳይ ንከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ብሓደ ተቒሚጥና ኢና፡ ምስቶም ስድራ’ውን ከም ስድራይ ዝርእዮ ኣዝዩ ጥቡቕ ቅርበት እዩ ኔሩና፡ ንዓይ ገበርቲ ጽቡቐይን ኣዝዮም ጥዑማትን ሕያዎትን ስድራ እዮም ኔሮም። ኣዝዩ ዘሕምምን ክትምኖ ዘጸግምን ሓደጋ”ዩ፡ ክብል ነቲ ፍጻመ ዝገለጾ ስሙ ክዕቀብ ዝደለየ መቕርብ እቲ ፍጻመ፡ በቲ ድንገታዊ ሓደጋ ኣብ መላአ ቤተሰብ ከቢድ ስንባደ ተፈጢሩ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ኣርባዕተ ትንፋስ ካብ ሓደ ገዛ ኣብ ሓደ ለይቲ ክትስእን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ካብ ድቃስ ተሲእካ ይሓልም እባ”አየ ነይረ ክትብል ዘመኒ መሪር ኣጋጣሚ”ዩ፡” ክብል”ዩ ስምዒቱ ብመሪር ጓሂ ዝገልጽ።
ንጠንቂ እቲ ባርዕ ብዝምልከት ዛጊት ዝዀነ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ፖሊስ ግን መርመራ የካይድ ምህላዉን፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ እውን ንጠንቂ እቲ ባርዕ ይምርመር ከምዘሎን፡ እቲ ወሃቢ ቃል ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ abc news ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብወገኑ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፡ ጐረባብቲ ግዳያት ኣብ እዋን እቲ ባርዕ፡ ነትጒ ከምዝሰምዑ ምግላጾም”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ካብ’ቲ ሓደጋ ንስክላ ዝደሓኑ ኣደን ህጻንን፡ መጠኑ ዘይተገልጸ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም ብህጹጽ ናብ ማእከል ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ላስ ቬጋስ ክውሰዱ እንከለዉ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ካብ ቅድሚ ወጋሕታ ኣትሒዙ ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻርን ንምጥፋአ ከም ዝተቃለሱን ውን ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ጆን ስቴንቤክ ንኤቢሲ ኒውስ ገሊጹ።
ብሰንኪ”ዚ ድንገታዊ ሓደጋ ኣርባዕተ ሂወት ኤርትራዊት ስድራ ተኸሲሩ ድሮ ዝተረጋገጸ ኮይኑ። ዝርዝር ኣስማት ግዳያትን ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖሙን ግን ንግዚኡ ተዓቂቡ ምህላዉ’ዩ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝገልጽ።