ኣብ ቅሉዕ ምድላዋት ንጥፋኣት ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ሰፊሕ ናይ ገዛ ገዛ ሃድን መንእሰያት፡ ሕጂ ውን ካብ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ንዝጸንሑን፡ ልዕሊ ዕድሚኦም ኣብ ትምህርቲ ንዝርከቡን መንእሰያት ናይ ገዛ ገዛ መጸዋዕታ ብምስዳድ፡ ካብ ጽባሕ ኣትሒዞም ኣብ ዝተባህልዎ ቦታ ክርከቡ ዘጠንቅቅ ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘለሓላለፈ፡ ምንጭታትና ካብ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
ብመንገዲ ኣፈኙኡ ኳደረ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ንይምሰል ኲናት የለን እንዳበለ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ግን ኣብ ግዙፍ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳትን ተጸሙዱ፡ ናይ ጥፍኣት ኲናት ንምውላዕ ኣብ ጻዕሪ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ቅንያት ነቲ ካብ እዋን ጥልያን ኣትሒዙ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ጽርግያታት ከተማ ኣስመራ ይጽግኖ ኣለኩ ብምባል፡ ኣብ ልምዓት ኢና ንርከብ ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍን፡ ፖለቲካዊ መክሰብ ከተርፍን ክሃልክ ምቅናዩ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ካብ ኲናትን ዕግርግርን ወጻኢ ኣብ ሰላም ክነብር ተፈጥሩኡ ዘየፍቅደሉ ጉጅለ ስለዝኮነ ግን፡ ክገብሮ ዝቀነየ መዐሸዊ ዜናታት ጌና ጸሓይ እንከይሃረሞ፡ ኣብ ደቀምሓረን ከባቢኣን ካብ’ዚ ሳልስቲ ኣትሒዙ ብመጸዋዕታ መንእሰያት ናብ ምህዳን ተመሊሱ ምህላዉ”ዮም ዘረዱኡ።
መንግስቲ ብልጽግና ምስ መራሒኡ ኣብይ ኣህመድ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝእለይሉ ኩነታት ብደም መንእሰያት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ድካም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብይ ክወረና ደልዩ ዝብል ወረታት ተጠቂሙ ህዝቢ ኣብ ጎኒ እቲ ጉጅለ ንክጽጋዕ ይጽዕር እኳ እንተሃለወ፡ ባኣንጻሩ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንኲናት ተሃዊኩ ምህላዉ ዘሪኢ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ካብ ቅድሚ ትማሊ ኣትሒዙ ኣብ ከባቢታት ደቀምሓረ ዝረአ ዘሎን፡ ገዛ ገዛ ዝብተን ዘሎን ትእዛዝ ዝሓዘ መጸዋዕታ ወረቀት፡ ኣካል ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ፈጢርዎ ዝርከብ ሓደገኛ ምትፍናን ንኲናት ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት ብምዃኑ፡ ኣብ ህዝቢ ክቱር ራዕድን ስክፍታን ፈጢሩ ምህላዉ”ውን”ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ…
መንእሰይ ኤርትራ ኮፍ ኢሉ ዝሓስበሉን ዝማኸረሉን ዕድል እንተረኺቡ፡ ኣንጻር ውልቃዊ ምሕደሩኡ ህዝባዊ ማዕበል ከየልዕል ብምስጋእ፡ ኣፍራዪ ዜጋ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ራዕድን ዝወረደ ቁጠባዊ ማሕንቆን ክነብር ኣገዲዱ፡ ኣደዳ ግዱድ ዕስክርና ድክነትን ስደትን ከምዝከዉን ብምግባር፡ ብጸረ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ንኤርትራ ኣብ ምግዛእ ምህላዉ ኣብ መልእኽቶም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ካብዚ ሳልስቲ ኣትሒዙ ተግባራዊ ንዝከውን ናይ መጸዋዕታ ትእዛዝ ዝጠሓሰ ወላዲ ሓላፍነት ክስከም ምኳኑን፡ ከም’ቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ክሳብ መንበሪ ገዛ ናይ ምዕሻግ ተግባራቱ ዳግማይ ከካይዶ ከምዝኮነን የጠንቅቅ ምህላዉን”ዮም ዝገልጹ።
ንልዕሊ 33 ዓመት ኣብ ስልጣን ተቀሚጡ ክነሱ ጽሩይ ማይ ክቅርብ እኳ ዘይክእል፡ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ልሙስ ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ተሓሊቅሉ ንዘይፈልጥ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ከም ምስምስ ተጠቂሙ፡ ጸጋታት ሃገር ዘሚቱን ከርዲኑን፡ ህዝቢ ብሓፈሻ መንእሰያት ሃገር ከኣ ብፍላይ ንስደት ከም ምርጫ ክጥምቱ ኣብ ዘገድድ ሕሱም ሂወት ክነብሩ ዝፈርዶም፡ ካብቲ ረዓዲ ተግባራቱ ዝብገስ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ሰላምን ህዱእ ሰለማዊ ሃዋህዉን ትንፋስ ክዘርእ ዘይክእል ጉጅለ ሰሪ ምኳኑ፡ ሕጂ ውን ብምስምስ ሉኡላውነት ኤርትራ ኣብ መንእሰያት ዝገብሮ ዘሎ ሃድን ኣበርቲዑ ክቅጽሎ ተፈጥሮኣዊ ባህሪያቱ የገድዶ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።