ኢራን ነቲ ኣብ ምዝዛም እዚ ሰሙን ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕላማታት ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ “ኣብ ኢዳ ንዝርከብ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ተጠቒማ ግብረመልሲ ክትህበሉ ምኳና”፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል በጋሂ ገሊጹ።
ዝሓለፈ ቀዳም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ኩለመዳያዊ ኲናት ከይምዕብል ዘለዎ ስጋኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ መልክዑ ከይሰጋገር ጻውዒት ምቅራቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ተራ ዕንወት ጥራሕ ዘብጽሐ ፍሹል ፈተነ”ዩ ክትብል ዝገለጸት ኢራን፡ ንድፍረት እስራኤል ብስቅታ ክንሓልፎ ኣይኮናን ክትብል ኣቀዲማ ድሕሪ ምግላጻ”ያ፡ ትማሊ ብመንገዲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣቢላ ኣብ ምጥንቃቅ ትርከብ።
“ኢራን ንስርዓት ጽዮናውያን ወሳኒን ኣድማዕን ምላሽ ንምሃብ ኣብ ኢዳ ዘሎ ኩሉ ዓይነት መሳርሒታት ክትጥቀም እያ” ዝበለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢራን በጋሂ፡ ኢራን እትህቦ ምላሽ ኣብ ባህሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝምርኮስ ምዃኑ ውን”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዘረድእ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ፡ 2ተ መዓልታት ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰበስልጣን ሃገሩ ሓይሊ ኢራን ንእስራኤል ከርእዩዋ ኣለዎም ንዝበሎ ቃል ኣብ ጸብጻቡ ዝገለጸ መርበብ ሓበሬታ ሮይተሩስ፡ እቲ መራሒ መጥቃዕቲ እስራኤል “ክንዓቕ ወይ ክጋነን የብሉን” ምባሉ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ምጥቅቃዕ፡ ንመሓዛ እስራኤል ኣሜሪካን ኢራንን ናብ ቀጥታዊ ዞባዊ ግጭት ከእትወን ከምዝኽእል”ዩ ሮይተርስ ስጋኣቱ ዝገልጽ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና፡
ኣመሪካ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓድሽ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ “ከቢድ ዋጋ ክትከፍል’ያ” ክትብል ብትሪ ኣጠንቂቓ።
ኣመሪካ ንኢራን ዘጠንቀቀት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንህሉው ግጭት ኢራንን እስራኤልን ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘተየሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኢራን ኣብ እስራኤልን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ “ብዘይ ቅድመኩነት ኣብ ምንቅስቃስ ነብሰ ምክልኻል ክንዋሳእ ክንግደድ ኢና ” ብምባል”ያ፡ ኢራን ተጠንቅቅ ።
እስራኤል ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሰደቶ ናይ ግብረመልሲ ስጉምቲ፡ ናይ መወዳእታ ምልውዋጥ ተኹሲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክኸውን ትጽቢት ኣለና ዝበለት ኣምባሳደር ሊንዳ፡ ኣመሪካ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቅ ክጋደድ ከምዘይትደሊ ውን”ያ ኣብ መልእኽታ ገሊጻ ትርከብ።
ንመጠንቀቅታ ኣምባሳደር ሊንዳ ግብረመልሲ ዝሃበ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚር ስዒድ ኤራቫኒ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል “ዘይሕጋውን ዘይስነምግባራውን ወተሃደራዊ ደገፍ” እናገበረት፡ ኢራን ንእትወስዶ ናይ ርእሰ ምክልካል ስጉምቲ ክትኩንኖ ኣይትክእልን”ያ ክብል፡ ንመጠንቀቅታ እታ ኣምባሳደር ምንጻጉ”ዩ ሮይተርስ ዝሕብር።
ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ መድረኹ ተሰጋጊሩ ኣብ ዝርከብ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቅ፡ ግብረመልሳዊ ስጉምቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ እንተነጻጺሩ፡ ኣመሪካ ብወግዓዊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትሕወሶ ምኳና ተጠንቅቅ ምስ ምህላዋ፡ ዝስዕብ ምዕባለታቱ ዝገደደ ዕንወት ከየስዕብ ስክፍታ ብዙሓት ኮይኑ ይርከብ።