ኲናት ሩስያን ይክሬንን ናብ ዝብኣሰ ዓለማዊ ግጭት ከምርሕ ዘኽእልዎ ምልክታት ይዛይድዎ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ኣብዚ ቅንያት ብወግዒ መግለጺ ዝሃበሉ ምእታዉ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብ መሳርዕ ሰራዊት ሩስያ : በቲ ጉዳይ ክዓርግ ንዝጸንሐ ስክፍታታት መሊሱ ኣራጒድዎ ኣሎ።
ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ብርግጽ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሩስያ ኾይኖም ይዋግኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ ዘሎ ኔቶ: እዚ ነተን ኣብ ጎድኒ ዩክሬን ዘለዋ ኣመሪካን መሓዙታን ከመይ ዝበለ ዉሳኔ ኽወስዳ ከምዝተገደደ ካብ ምግላጽ እኳ እንተተቘጠበ፣ እቲ ጉዳይ ግን ነቲ ድሮ ካልኣይ ዓመቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ዝገዘፈ መልክዕ ወኒኑ ንኽቕጽል ዝደፍእ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ደቡብ ኮርያ፡ ጸኒሓ ድማ ዩክሬን ፡ ሰራዊትን ኣጽዋርን ሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያ ይግዕዝ ከምዘሎ ኽጠርዓ ምውራሐን ይፍለጥ።
ብፍላይ ፕረዚደንት ዩክሬን ቩላድሚር ዘለንስኪ: እዚ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታዉ ፡ መሻርኽቲ ዩክሬን ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ናይ ምድግጋፈን ሜላ ክቕይራ ግዚኡ ምዃኑ እዩ ቀጻሊ ዘተሓሳስብ ዘሎ። መተሓሳሰቢ ዘለንስኪ ፡ ኣመሪካን መሓዙታን ናብ ዩክሬን ኣትየን ብቐጥታ ንሰራዊት እታ ሃገር ክድግፋ ዘተንብህ እዩ።
ኲናት ዩክሬን ካብ ዝጅምር ሰሜን ኮርያ ካብ ቀንዲ ምንጪ ቀረብ ኣጽዋር ንሩስያ ኮይና ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክሕበር ዝጸንሐ ኾይኑ፣ ብፍላይ እቲ ምድግጋፍ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ወግዓዊ ምብጻሕ ቭላድሚር ፑቲን ናብ’ታ ሃገርን፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ድሕሪ ዝተኸተመ ወተሃደራዊ ውዕልን መሊሱ ምርጓዱ ይፍለጥ።
ሰሜን ኮርያ ሰራዊታ ናብ ሩስያ ትልእኽ ምህላዋ እንተተረጋጊጹ፣ ኲናት ዩክሬን ኣብ ሓጺር እዋን ካልእ መልክዕ ክሕዝን ፡ መሓዙት ሩስያን ዩክሬንን ዝኾና ሓያላት ሃገራት ወወገን ብቓልዕ ኽሕግዛ ዝድርኽን ከምዝኸዉን እዩ ኽእመት ጸኒሑ።