ኣብ ስደት ኮይኖም ነቲ ህግደፍን ኣቢይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ኣብ ምዉዕዋዕን ምጉህሃርን ተጸሚዶም: ንህዝብና ተወሳኺ ህልቂት ከምጽሉ መንገድታት ዘጋፍሑ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ :ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ነቲ መራሒኦም ወጢንዎ ዘሎ ኲናት ክዋደቕሉ ጥራይ’ዩ ዘለዎም ዝብል ርይእቶ ኣብ ህዝብና ይዛይድ ኣሎ።
እቶም ደገፍቲ: ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተኸርዲኑ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንኲናት ጥራይ ዝተፈጥረ ህዝቢ ቈጺሮም: ኣብ ዓዲ ጓና ናብራኦምን ደቈምን እንዳስብሑ: መራሒኦም ንዘዝኣጐዶ ሓዊ ኣብ ራሕቂ ኮይኖም እናንበድበዱ: ኤርትራ ካብ ምዕባለን ኣርባሒ ጉርብትናን ተኣልያ ኣብ ኲናትን ተነጽሎን ጥራይ ኽትርመስ ይተሓጋገዙ ምህላዎምን ዘጠንቀቐ እቲ ናይ ህዝቢ ርእይቶ: እቶም ደገፍቲ ልክዕ ከምቲ ብዝሃለቚ መንሰያትን ብዝተኸስረ ዕድላትን ኤርትራ ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ ተሓተቲ ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።
ናብራ ድፋዕን ኣገልግሎትን ኣሰልኪይዎን ናብ ስደት ኣርሒቘም ነቲ ዘሳጐጐም ጉጅለ ዝሰግዱ ዘለዉ ስደተኛታት ደገፍቲ: ነብሶም ኣድሕኒኖም ዉሉድ ናይ ካልኦት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ኲናት ኪሃልቊ ኪጉስጉሱ ኽትርኢ እንከለኻ ኣዝዩ ዘሕንኽ እዩ።
ኣብ ስደት ዝሓሸ ናብራ እንዳነበርካ: ህዝብኻ ክሕሾን ክርህዎን ከኣ ትቃለስ እምበር : ህዝብኻ ኣብ ፍቐዶ ኲናት ኪሃልቕን ኣብ ቀጻሊ ድኽነት ክሓስሞን ክትደጋገፍ ምምራጽ: ክሳዕ ክንደይ ሕልናኻ ቀቲልካ ምስ ህዝብኻን ሃገርካን ደምነት ተኺልካ ከምዘላኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ወዲቘም ዘለዉ ደቊ ከይተረድአን: ኣለዉ ድዮም ጠፊኦም ንኽፈልጥ ከብዱ ሓቚፉ እንዳተጸበየን: “ሕጂ ንሓድሽ ኲናት ዝተረፉ ደቊ ኸወፊ ኣየድልን ፣ ሓድሽ ኲናት ኣየድልየናን” ኣብ ክንዲ ምባል : ነቲ ህግደፍ ስልጣኑ ንኸናውሕ ኣቐዲሙ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሰመማዓሉ ሓድሽ ኲናት ክድግፉን ኣብ ጎድኒ ህግደፍ ኣለና እንዳበሉ ነገራት ከጓሃሃሩን ዝሃልኩ ዘለዉ ደገፍቲ እምበኣር ምስ ዉሽጦም ኪተሓሳሰቡ ይግባእ።