ናብ ሰራዊት መንስግቲ ሱዳን ምስ’ቲ ሰራዊት ንዝሻረኹ ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝጽንበሩ ኣሽሓት ሱዳናዉያን መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ ምህላዎም ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ኽወጽእ ዝጸንሐ ሓበሬታ ሓቅነቱ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።
እዚ ዝተፈልጠ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኤርትራ ኽዕለሙ ካብ ዝጸንሑ መንእሰያት ምብራቕ ሱዳን፡ ሓደ ኣሃዱ ምልሻ ድሮ ታዕሊሙ ዛዚሙ ናብ’ተን ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝድግፋ ዘለዋ ዕጡቓት ጉጅለታት ምብራቕ ሱዳን ተጸንቢሩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ። ብማዕከን ዜና AFP ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ብምራቓዊ ቦጦሎኒ ዝስሙ ብ ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ማሕሙድ ዝምራሕ ኣሃዱ ናብ ከሰላ ኣትዩ ከምዘሎ የረድእ።
ናብ’ቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ክጽንበሩ ካብ ሰፊሕ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዝመጽኡ መንሰያት ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወሃቦም ጀሚሩ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ ኾይኑ ፣ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ይኹን ካብ መሪሕነት ሰራዊት መንስግቲ ሱዳን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዛጊት ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ ክወሃብ ኣይጸንሐን።
ምስቶም ኣብ ኤርትራ መደበራት ታዕሊም ተኸፊትሎም ዝበሃሉ ሱዳናዉያን ፣ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝድግፉን ኣብ ዘመነ ስልጣን ዑመር ኣልበሺር ፖለቲካዊ ተራ ዝነበሮን እስላማዉያን ሓይልታት ከምዘለዉ እዉን AFP ኣብ ዝሕለፈ ወርሒ ለካቲት ሓቢሩ ኔሩ።
መሓዛ መራሒ ህግደፍ ዝነበረ እሞ ሕጂ ናብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ወጊኑ ዝርከብ ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ማለት ሕሜቲ ፡ ደጊም ንረብሓ ህግደፍ ዘሳኽዕ ዘይምዃኑ በቲ ሓደ ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ስዒሩ ስልጣን እንተጨበጠ ኸኣ ሻቡ ምስታ ምስ ኢምራት ወጊና ዘላ ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሕ ተኽእሎታት ስለዘሎ ድማ በቲ ኻልእ – ገዚፍ ስግኣት ስለዝኾኖ ፡ መራሒ ህግደፍ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊትን ዝድግፍኦ ምልሻታትን ንምድልዳል ምምራጹ ይንገር።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ምስ ገለ ሱዳናዉያን ጋዜጠኛታትን ምሁራትን ኣብ ዘቃንዖ ዝርርብ፡ “ንህዝቢ ሱዳን ምሕጋዝ ሞራላዊ ሓላፍነትና እዩ” ዝብል ጉልባብ ብምጥቃም እዩ ነቲ ዳዕምለሰሪዕ እንተተዓዊቱ ንኽህሉ ዝኽእል ስግኣቱ ንምድቓቕ ንሰራዊት መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ከመኽኒየሉ ፈቲኑ።
ጉጅለ ህግደፍ : ንምልእቲ ኤርትራ ናብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም እዚ ዞባ ይቕይራ ከምዘሎ: መምስ ወቕቲ ዝመጹ ዞባዉያን መሻርኽቲ ናብ መሬት ኤርትራ እንዳምጽአ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይህብን፡ መናሃርያን መዓስከራትን ይዕድልን ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ህዝብና ብሕጸረት መሰረታዊ ጠለባት ሂወት ንዓመታት ተጣሪዑ ይሳቐ እንዳሃለወ: ህግደፍ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት እንዳዉጽኤ ኣብ’ዚ ዞባ ዓብላልነተይ ኣብ ምግሃድ ይጠቕሙኒ እዮም ንዝብሎም ዕጡቓት ጉጅለታትን ስርዓታትን ጎረባብቲ ሃገራት ኪዕድምን ሎጂስቲካዊ ደገፋት ኪቕርብን ይሃልኽ ምህላዉ ይፍለጥ።
ህግደፍ ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኪማኖ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንሓይልታት ኣምሓራ ዘጥፍኦ ዘሎ ገንዘባዊን ወተሃደራዊን ልግሲ ኣዚዩ ልዑልን ንቚጠባ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ከመሓይሽን ዝኽእል ምንባሩ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዚዛረቡ። እንተኾነ ፡ ህግደፍ ንከባቢ 5 ዓመት ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ እንዳዓለመን እንዳዓንገለን ካብ ምድልዳሎም ኣየዕረፈን።
ብዘይካ’ዚ ንሰራዊት ሶማል ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝህብ ዘሎ ህግደፍ: ነቲ ኣብ ሞንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ልኣላውነት ዝንህር ዘሎ ገዚፍ ጸጥታዊ ኽስተት ኪኸስበሉ ይጓየን፡ ናብ ሶማል ከምርሖ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምድግጋፍ የዛይዶን ከምዘሎ ይፍለጥ።