ዘይሕጋዊ ንጥፈታት መሓዉራት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ምቅላዕ : ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ምዃኑ ምዝካር የድሊ ኣሎ። ኣብ ስደት ኮይነን ምልኪ ከስብሓ ዝጸንሓ መሓዉራት ካብ ዘይሕጋዊ ተግባራተን ንምእዳብ ኽከኣል: ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ንምንቅስቓሳተን እንዳተኸታተለ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ካብ ምሕላፍ እንተዘይሰልክዩ ክርከብ ዝኽእል ውጽኢት ልዑል ከምዝኸዉን ፡ ኣብ ደንበ ፍትሒ ብዘይዕረፍቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት የተሓሳስቡ።
ናይ ስግር ባሕሪ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ንዓሰርተታት ዓመታት ልዑል ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ዘይነጽፍ ጽልኢ ጎረባብቲ ሃገራት ተኸርዲኑ ከይፈተወ ጸግዒ ህግደፍ ጥራይ ኪሕዝ ዝቕስብ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ልዑል ተራ ክጻወት ጸኒሑ እዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ዝበጽሕ ዕንወት : ነቲ ዉሽጢ ዓዲ ምልኪ ንምእላይ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይነዓቕ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ : ካብ ኤምባሲታት ክሳዕ ብስም ዉልቀሰባት ዝነጥፋ ናይ ንግዲ ትካላት ዘካይድኦም ዘይሕጋዊ ስራሓት እንዳተኸታተለ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከስምዕ መሰረታዊ ምዃኑ ክፍለጥ የድሊ።
ኩሎም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ንመንግስታትን ዘይመንግስታዉያን ኣካላትን እተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዛዕባ ኣካይዳታትን ንጥፈታትን መሓዉራት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ካብ ምሕባርን ምቅላዕን እንተበርቲዖም ቀንዲ ምንጪ ገንዘብን ደገፍን ህግደፍ ዕምሩ ከኽትም ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።
ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ስግር-ባሕሪ እንዳሰነድካ ንመንግስታት ኣተን ዘለኻለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምክፋል : ኣብቲ መሓዉራት ጉጅለ ህግደፍ ኣዋርሕ ቈጺሮም ብስም ባህላዊ ፈስቲቫል ዘቃንዕዎ ናይ መዝመዛ ድግሳት ኣብ ምኹላፍ ዝካየድ ጻዕሪ ብዙሕ ድኻም ኣይክህልዎን’ዩ።
ብስም ማሕበረኮም ዝሻቐጣ መሓወራትን ትካላትን ህግደፍ ዝዉድብኦም ፈስቲቫላት፡ ጽልእን ፍልልይን እንዳጎስጎሱ ልዑል መጠን ገንዘብ ንመሳለዪ ስልጣን መላኺ ስርዓት ዘኻዕብቱ ምዃኖም ቀጻሊ ንማሕበረሰብ ዓለም ምሕባርን መርትዖታት ምቕራብን ፣ ዘየቋርጽ ዕዮ-ገዛ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኪኸዉን ይግባእ።