ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ካብ’ታ ሃገር ክወጽኡ ቪዛ ንዝጠልቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሓቶ ክፍሊት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይኸዉን ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ እቶም ኤርትራውያን ንመውጽኢ ቪዛ ክሳብ ልዕሊ 4 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ይሕተቱ ከምዘለዉ ይጠቅስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ እቲ ክፍሊት ነቶም ኣብታ ሃገር ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ: ዝበዝሑ ድሕሪ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም ኣቢይን ኢሳያስን ናብታ ሃገር ዝገዓዙ ኤርትራውያን ፡ ከምዚ ዝበለ ብድሆ ከይገጠሞም ንልዕሊ 5 ዓመታት ኪነብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ። ጥርዚ ዝውንን ብዘሎ ህልኽ ህግደፍን መንግስቲ ፈደራልን ተሻቒሎም ካብታ ሃገር ወጽዮም ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ንምኻድ ዝጓየዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፡ እዚ ሕጂ ዝጸዓነሎም ዘሎ ክፍሊት ቪዛ ፡ ከም ዉህሉል ዕዳ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐምጥዎ ዓመታት ኾይኑ ይስመዖም ከምዘሎ ይዛረቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሊእዎ ዘሎ ናይ መንገዲ ኣየሩ ገንዘብ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራዉያንን ኣብ ኩሉዓይነታዊ ቊጠባዊ ንጥፈታቶምን ምንጭታቶምን ቀይድታት ከየኽርር ተሰጊኡ ኣብ ዘለወሉ እዩ እዚ ኽስተት ዝገሃድ ዘሎ።
ድሕሪ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም ኣቢይን ኢሳያስን ፡ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ዉልቀሰባት ብዙሓት ኣብ ሓዋላን ሸርፊን ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን ትካላት ኣውፊሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሃገራዊ ባጤራኡ ወሪዱ ዘሎ ዝቕባበ ብገለ ሸነኹ ምስ’ቲ ንኤርትራዉያን ዝጸንበረ ብወጻእተኛታት ተዓብሊሉ ዝብሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሸርፊ ከተሓሕዞ ክርአ ብምጽንሑ፣ እዚ ሕጂ ብህግደፍ ኣብ ሒሳብ መንገዲ ኣየሩ ተወሲዱ ዝበሃል ዘሎ ስጒምቲ ከም እኹል ምኽንያት ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዜ ክጽበየሎም ዝጸንሐ መሓዉራት ህግደፍ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተሪር መቕጻዕቲ ክብይን ተኽእሎ ከምዘሎ ኪግመት ጸኒሑ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሕቶታት ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝመለሰሉ፡ ገለ ኤምባሲታት ኣብ ጸለምቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ወፊሮም ንቊጠባ ኢትዮጵያ ኽምዝምዙ መጽንሖም ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኤምባሲታት ዘድሊ ኽትትልን ቀይዲን ከምዝህሉ ምጥንቃቚ ኣይርሳዕን።
ዶባዊ ኲናት ናይ 1998 ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ወርሓት: ህወሓት ንብረት ገንዘብን ህግደፍ ኤርትራዉያንን ኣብ ኢትዮጵያ ክህግር፡ ህግደፍ ድማ ንብረትን ገንዘብን ኢትዮጵያ ኣብ ወደባትን ዶባትን ኤርትራ ክምንዝዕ ከምተራእዩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን በብዕለቱ መልክዕ እንዳቐየረ ዝመጽእ ዘሎ ምትህልላኽ እዉን ካብ’ቲ ቅድሚ 26 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ዘይፍለ ኾይኑ ኣሎ።