ጸረ ህዝብን ሃገርን ብምኳን፡ ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩለመደያዊ ሕሰም ተሸሚሙ ክዳኸምን፡ ብስደት ክብተንን ኣብ ምህላክ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም መቀጸልታ ጸረ ህዝባዊ ኣተሓሳስቡኡ ሕጂ ውን ኣብ ዶባት መንእሰያት ብተመልከተለይ ተኲሱ የውድቅ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣብ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
ጉጅለ ህግደፍ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ከባቢ ዶባት ንዝዕስክራ ክፍለሰራዊታት ናይ ተኲስካ ቅተል ትእዛዝ እንዳሃበ፡ ካብ ውልቀመላኺ ምሕደሩኡ ሃዲሞም ኣብ ስደት ክዕቆቡ ዝወሰኑ መንእሰያት ሃገር ከሕጽር ምጽንሑ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ብፍላይ ብወገን ዶባት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ዘሎ መስመር ዝርከብ ህዝብታት፡ ኣብ ስዉር ንግዳዊ ምልውዋጥ ተጸሚዶም ካብን ናብን መረብ ብሰላም ክንቀሳቀሱ ምራኣይ ዘጸይኖ ጉጅለ ብምኳኑ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብተመልከተለይ መንእሰያት ከውድቅ ጀሚሩ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣባላት ናይታ ሓንቲ ካብተን ህግደፍ ኣብ ዝወጠኖ ናይ ጥፋኣት ገበን ኢዳ ሓዊሳ እትርከብ ክፍለሰራዊት 10 ዝኮኑ ወተሃደራት፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ካብን ናብን መረብ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምክያድ ሂወቶም ኣብ ምምራሕ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ክልተ መንእሰያት ናይ ተመልከተለይ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም፡ እቶም ግዳያት ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጦም፡ ኣብ ሕክምና ማይምነ ተዓቂቦም ህጹጽ ረዲኤት ድሕሪ ምርካቦም፡ ናብ ሆስፒታል ዓዲኳላ ግዒዞም ምህላዎም”ዮም ዝገልጹ።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ዛይድ መሓሪ ዝተባህለ ተወላዲ ዓድታት ኣደጎልቦ ዝኮነ መንእሰይ ኮይኑ፡ ምስ ካላኣዩ ድሕሪ ዝተፈነወሎም ናይ ተመልከተለይ መጥቃዕቲ ተወቂዖም ድሕሪ ምውዳቆም፡ ትንፋሶም እንከይሓለፈ ብዘርከብዎም ሽማግለታት ወለዲ ተሓጊዞም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ማይምነ ምብጽሖም ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ብኣባላት ሰራዊት ካብቲ ሕክምና ናብ ዓዲኳላ ተወሲዶም፡ ኣብ ሕክምና ዓዲ ኳላ ከም እሱራት ተኣለይቲ ሕሙማት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቁጽጽር ይሕለዉ ምህላዎም”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ከባቢታት መረብ ኣብ ዝርከባ ዓድታትን ገጠራትን ዝነብር ህዝቢ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ለይተለይቲ ድምጺ ቶኽሲ ከምዝሰምዕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህግደፍ ስግረዶብ ንዝፍጽሙ መንእሰያት ክሕደት ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይሕ መስመር ኣቀሚጡ፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መንእሰያት ናይ ብተመልከተለይ ቅንጸላ ክፍጽም ምንጽሑ፡ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ መንእሰያት ዘረጋገጽዎ ሓቂ ምኳኑ ዝፍለጥ”ዩ።