በቲ ልዕሊ 570 መዓልታት ኣሕሊፉ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ድሮ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምህዳሞም ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገርት UNHCR ሓቢሩ. እቲ ትካል ኣብ እዋናዊ ጸብጻቡ ፡ በቲ ጩራ ሰላም ተሳኢንዎ ብማሕበረሰብ ዓለም እኹል ኣድህቦ ተኸሊእዎ ዘሎ ኲናት፡ ዛጊት 1.2 ሚልዮን ናብ ግብጺ፡ 836 ሽሕ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ 700 ሽሕ ናብ ጫድ፡ 103 ሽሕ ናይ ሊብያ፡ 63 ሽሕ ኣብ ኢትዮጵያ፡ 36 ሽሕ ድማ ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣምሪሖም ከምዘለዉ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
በቲ ኲናት ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ናይ ዘለዉ ሱዳናዉያን ቊጽሪ እዉን ዕለታዊ እንዳወሰኸ ናብ ከባቢ 10 ሚልዮን ተቓሪቡ ከምዘሎ እዩ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት።
እቲ ኲናት ሕድሕድ ንሂወት ልዕሊ 15 ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ወሲዱ ምህላዉ እኳ ኽግለጽ እንተጸንሐ: እቲ ኣሃዝ ግን ልዕሊ150 ሽሕ ኪኸዉን ከምዝኽእል እዩ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ዘተንብህ።
ዝኾነ ተስፋ ሰላማዊ ፍታሕ ተጸንቂቕዎ ዝመስል ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ንልዕሊ ሓደ ሕምሲት ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ውሽጥን ግዳምን ኣሳዲዱ ዘሎ ኾይኑ: ንልዕሊ 13 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ሕሱም ጥሜት ኣውዲቚ ምህላዉ ይጽብጸብ።
በቲ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ወሪዱ ዘሎ ህልቂትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ክንሱ ካብ’ቲ ምሉእ ኣድህቦኡ ናብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቓን ኣዛዝዩ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ዘድሊ ተገዳስነት ስኢኑ ምህላዉ እዉን ይንገር።
ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ነቲ ብኲናት ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ህልቂትን ሰብኣዊ ቅልውላዉን ዝነኣሰ ሸፈነ’ኳ ኸሊአንኦ ከምዘልዋ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ኾይኑ: ከም ሳዕቤኑ ነቲ ኲናት ደው ኣብ ምባልን ሰብኣዊ ድሕነት ህዝቢ ሱዳን ንምርግጋጽ ኣብ ምጉያይን ዘዕግብ ስራሕ ኣይተዓመን።