ናብ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስኣበባ ዘነጻጸረ ግፋ ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ምንጎ ሰልፊ ብልጽግናን ህግደፍ ናብ ዕጽው ማዕጾ ኣምሪሑ ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ካብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ተጋዲዱ ዘሎ እቲ ግፋ ፡ ወቕቲ እንዳመረጸ ኽካየድ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ግና ኣልማሚ ብዝኾነ ምልክዕ ይትግበር ምህላዉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ካብ ህግደፍ ዝንጸባረቕ ዘሎ ህልኽ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ኤርትራዉያን በደላት ከይፍጽም ኽስጋእ ጸኒሑ እዩ። ኢሳያስን ኣቢይን ናብቲ ዝደልዪዎ ዘለዉ ኲናት ንምእታዉ በብወገኖም ምኽኒታትን ጠንቅታትን የብዝሑ ምህላዎም ርዱእ ኾይኑ: እቲ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ምትፍናን ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወገናትና ዝቐጽዕ ኸይከዉን ስክፍታት ቐንዩ ኢዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሊእዎ ዘሎ ገንዘብ መንገዲ ኣየሩ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራዉያንን ኣብ ኩሉዓይነታዊ ቊጠባዊ ንጥፈታቶምን ምንጭታቶምን ቀይድታት ከኽርር ከምዝኽል እዉን ኽግመት ጸኒሑ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምልልሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ኤምባሲታትን መሓዉራትን ዘድሊ ስጒምቲ ኸወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቚ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ: ኣብ’ቲ ንኤምባሲ ህግደፍን መሓውራቱን ዘነጻጸረ መጠንቀቕታ ፡ ሰላማውያን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኽልከሙ ከምዝኽእሉ ኽዝረብ ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም ኣቢይን ኢሳያስን ፡ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ዉልቀሰባት ብዙሓት ኣብ ሓዋላን ሸርፊን ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን ትካላት ኣውፊሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሃገራዊ ባጤራኡ ወሪዱ ዘሎ ዝቕባበ ብገለ ሸነኹ ምስ’ቲ ንኤርትራዉያን ዝጸንበረ ብወጻእተኛታት ተዓብሊሉ ዝብሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሸርፊ ከተሓሕዞ ይስማዕ እዩ።