ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር መጻኢ፡ ንዝበዝሐ ጽፍሓታት ስልጣን ብመንእሰያት ደገፍቱ ንምትካልእ ምድላዋት ኣጻፊፉ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሃገር ደጊሞም ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ማእከላት ኽድርና ከምኡ’ዉን ብመንገዲ ዕጹዋት ስልጠናታትን ነዊሕ ኽምልመሉ ዝጸንሑ ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ዝነብሩ መንእሰያት ደገፍቲ ፡ ብዘይካ’ቶም ንላዕለዎት ደቂ-ሓለፍቲ ተሓዚኦም ዘለዉ ገዘፍቲ ስልጣናት ፡ ኣብ ሓያለ ናይ ሚንሲትሪታትን ዲፕሎማስያዊ ተልኾታትን ጽፍሒ ቦታ ክወሓሰሎም ተመዲቡ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘምልክት።
ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ከም ዲፕሎማስያውያን ወኪላት ህግደፍ ኮይኖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ሓደስቲ መንእሰያት፡ ኣካል ናይ’ቲ ብዉሽጢ ዉሽጢ ዝቃናዕ ዘሎ ምትኽኻእ ምልካዊ ስርርዕ ከምዝኾነ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፡ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፡ ጽፍሕታት ሚኒስተርነትን ዞባዊ ምምሕዳራትን ናብ’ቶም ምልኪ ከቐጽሉ ነዊሕ ዝሰልጠኑ መንእሰያት ኪርከብ ከምዝኾነ የረድኡ።
ከም ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንግዳዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ህግደፍ፡ ምክልኻል ፡ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ዝበሉ ጽፍሕታት ናብ ዉሉድን መቕርብን ናይቶም ነቶም ጽፍሕታት ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ንምስግጋሩ ኽጥዕም ፡ እቶም ዝትክኡ ኣብ ጎኒ እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጌርካ ናይ ምምልማል ሜላ ነዊሕ ክስረሓሉ ምጽንሑ ይንገር።
ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ዝበዝሑ ኣባላት ጉጅለ ህግደፍ ብሽምግልናን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ይስነፉ ብምህላዎም: እዚ ናይ ምትኽኻእ መደብ ቅድሚ ግዜኡ ኽትግበር ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዉን እቶም ምንጭታት ይግምቱ።
ወዱ ንመራሒ ህግደፍ ፡ ንኣዝዮም ገዘፍቲ መዝነታት ብዘይወግዒ ወኒኑ ካብ ናይ ኣቦኡ ብዘይፍለ መጠን ክፍራህን ኽስማዕን ፡ ባዕሉ መዝነታት ክዉዝዕን ከሕድግን ዘኽእሎ ሓይሊ ኣስሚሩ ከምዘሎ ፡ እዚ ድማ መራሕቲ ህግደፍ ንደቈምን መቕርቦምን ከም ወረስቲ ስልጣነ-ምልኪ ንምብቃዖም ይሰርሑ ምህላዎም ዘመልከት ቀጻሊ ክሰሉኽ ንዝጸንሐ ምስጢር ሓቅነቱ ዘረጋግጽ እዩ።