ኣብ ትሕቲ ዕጡቅ ሓይሊ ህዝቡላህ፡ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ጽላት ህዝባዊ መራከቢታት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ መሓመድ ዓፊፍ፡ ኣብ ገዝኡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።
ሮይተርስ ንሰበስልጣን ሊባኖስ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬቱኡ፡ መሓመድ ኣፊፍ ማእከል ቤሩት ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዓረብ ሶሻሊስት ባዝ ፓርት ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቐትለ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ በዓልስልጣን ከም ኣማኻሪ ናይቲ ብእስራኤል ዝተቐትለ መራሒ ሂዝቦላህ ነበር ሓሰን ናስራላህን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ሚዲያ እቲ ጉጅለን ብምኳን ንነዊሕ እዋን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምጽንሑ”ዩ ዝገልጽ።
ዝሓለፈ ሰሙን ንመወዳእታ ግዜ፡ ቤሩት ንዝመደበሮም ጋዜጠኛታት ኣኪቡ ብዛዕባ”ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መግለጺ ዝሃበ ደራሲ መሓመድ ዓፍፊ፡ ብህዝቡላህ ንእትውነን ቴለቪጅን ኣል ማነር ውን ከም ዳይረክተር ሚዲያ ብዝለዓለ ስልጣን ዝመርሐን፡ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለን፡ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ኣባላት ህዝቡላህ ምንባሩ ውን”ዩ ድሕረባይቱኡ ዘረድእ።
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቤሩት ንዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ሂዝቦላህ ዕላማ ጌራ ብዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ንመራሒ ናይቲ ጉጅለ ሓሰን ናስራላህን ሓዊስካ፡ ተካእቲ ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ከምዝቐተለት ዝዝከር እዩ።