ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብመንግስቲ ኣመሪካ ተኣጊዱ እንዳሃለወ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲኡ ግን ሚልዮናት ዶላራት የኻዕብት ከምዘሎ ዋሺንገትን ፖስት ኣቃሊዑ።
እቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ነዚ ዝሓበረ ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ብፈጻሚ ስራሕ ቆንስል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ኣቶ. ብርሃነ ገብርሂወት ንኣባላት ራብዓይ ግንባር ብመንገዲ ዙም ዘቃነዖ ሚስጢራዊ ኣኼባ ኣብ ኢዱ ድሕሪ ምብጻሑ እዩ።
ኣብቲ ዝለሓዄ ምስጢራዊ ኣኼባ፡ በቲ ፈጻሚ ስራሕ ዝተባህሉን ዝተመሓላለፉን ኩሎም ኣብ ጽሑፉ ዘስፈረ እቲ ኣመሪካዊ ጋዜጣ፡ ክፍሊ ትሬዠሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገዘፍቲ መሓዉራት ህግደፍ ወግዓዊ እገዳ ኣንቢሩ እንዳሃለወ፡ ዲፕሎማስያዊ መሓዉር ህግደፍ ኣብ ዋሺንገትን ልዑል ገንዘብ እንዳዋህለለ ነቲ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ደልይቲ ፍትሒ ንዝምስረቶም ኽስታት ንኽዕወት የውፍሮ ከምዘሎ እዉን ኣነጺሩ።
“ህግደፍን መንግስቲን ሓደ ኣካል እዩ ዝብሉ መራሕቲ ህግደፍ ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲኦም እዉን ኣካል ህግደፍ’ዩ” ክብል ዝጠቐሰ እቲ ጋዜጣ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ብቐረባ ኽከታተሎ ጸዊዑ ኣሎ።
ብመንግስቲ ኣመሪካ ዘይነዓቕ ተሰማዕነት ዘለዎ እቲ ጋዜጣ፡ እዚ ኣብ ናይ 20 ሕዳር ሕታሙ ኣስፊርዎ ዘሎ ትሕዝቶ ንህግደፍ ቀጥታዊ መርድእ ክኸዉን እዩ።
ብጉልባብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ከተማ ስያትል ኣብ ልዕሊ 13 ደልይቲ ፍትሒ ተመስሪቱ ዘሎ ሲቪላዊ ክሲ ብህግደፍ ተመዊሉ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ናብ ኢድ ደልይቲ ፈትሒ ከተማ ሲያትል ኣትዩ ከምዘሎ ምሕባርና ኣይርሳዕን።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ኣብ መጋቢት 2024 ንኣባላት 4ይ ግንባርን ኣባላት መንእሰያት ህግደፍን ብዙም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝለሓዀ ምስጢር ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ደልይቲ ፍትሒ ትሸሪሑ ዘሎ ዉዲት ናይ ህግደፍ ስራሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኔሩ።
ቃላት ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ብርሃነ ከምዘነጽሮ: “ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝጻባእ ዘሎ ጸላኢና ብ4ይ ግንባርን ካልኦት ውዳበታትን ግንባርን ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ከሲስና ንምስዓሮምን ንሓዋሩ ከምዘይምለሱን ተዓጢቕና ኣለና” ኢሉ እንዳፈከረ እዩ ተሰኒዱ ዘሎ።
ኣቶ ብርሃነ ኣስዒቡ፡ ነዚ ዓርሞሽሽ ገንዘባዊ ወጻኢታትን ክኢላዊ ዓቅሚ ሰብን ስሙር ቃልሲ ከምዝሓትትን ከም ሃገራዊ ክተት ቀዳምነት ከምዝወሃቦን ብምጥቃስ ድማ፡ ህዝቢ ገንዘብ ከዋጽእ፡ ንጸለውቲ ሰባት ከእምንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ከካይድን ከሲ ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጡ ኔሩ።