ንሓድሽ ኲናት ጸሚኡ ዘሎ ህግደፍ ፡ ካብ ዝባን ስመጃና ናይ ከባቢ ሰንዓፈ ክሳብ እንዳዳሽም ኣብ ዝዝርጋሕ መስመር ነባራት ድፋዓት ኣብ ምጽጋንን ሓደስቲ ኣብ ምዂዓትን ተጸሚዱ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም። እቲ ን ኣሮሞ፡ ዓይጋን ድርዱርን ጸንቢሩ ናብ ከባቢታትን መርዓትለ ኣብ ዝግተር መስመር ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ ብዓበይቲ ማሽነሪታት ዝተደገፈ ምዃኑ እዉን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ምስ ሰልፊ ብልጽግና ናይ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ዝተኸተሎ ወቕታዊ ፖሊሲ ኣዝዩ ከቢድ መዘዝ ሒዙ ይመጽእ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝተረድአ ህግደፍ፡ ነዚ ዝይተርፍ’ዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ሓድሽ ኲናት ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ይገብርን መተሃላልኽቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾና ጎረባብቲ ይዓርኽን ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ህግደፍ ካብ መጀምርያ እዚ ንዛዝሞ ዘላ ዓመት ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንሓድሽ ኲናት ክዳሎ ዉሽጣዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ መስርሕ እዚ ተመስጢሮም ዝካየዱ ግፋታትን ግዱድ ዕስክርናን ብዝሓየለ ይቅጽል ምህላዉ ይንገር።
ካብ ኤማራት ልዑል ወተሃደራዊ ደገፍ ይረክብ ከምዝሎ ዝንገረሉ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ ዝገዝፍ ዘሎ ዕጥቃዊ ተቓውሞታት ንምጥምዛዝ ፡ ምስ ሶማል ሓድሽ ኲናት የዋጽኣኒ እዩ ዘብሎ ቊመና ኸካዉን ዝበቕዐ ከምዝመስል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝጽብጽቡ።
እቲ ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ዝሕልንሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ሕጂ’ዉን ሰላማዊ ህዝቢን፡ ቊጠባን፡ ትሕተ-ቅርጺን እንዳለከመ እቶም ስርዓታት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ ኣይክህሉን እዩ።
ህግደፍ ካብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ኣብ በረኻታት ዓዲረሶን ደማስን፡ ብደረጃ ግንባርን ክፍላት-ሰራዊትን ኣዝዩ ጽዑቕ ታዕሊም የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም ኔሮም’ዮም። ህግደፍ ካብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ውሽጣዊ ምቅይያራት መራሕቲን መሳርዕን ሰራዊት ከጽዕቕ ምጽንሑ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት ፡ ብዘይካ’ዚ ኣብ ከባቢ መረብ ዝተደኮነ ግዝያዊ መደበር ታዕሊም፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ናብ ንጡፍ መደበር ተቐዪሩ ብደረጃ ግንባርን ክፍላተሰራዊትን ስሩዕን ወተሃደራዊ ልምምዳትን ይቃናዓሉ ከምዘሎ ኣቃሊዖም ኔሮም።
ካብ ሓድሽ ኲናትን ስግኣትን ቅሰኑ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ዝመደረ መራሒ ህግደፍ : ብዉሽጢ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምድላዋትን ምስርራዓትን ተጸሚዱ ምህላዉ ዘመላኽቶ ሓቂ፡ ህግደፍ ናብ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ዘይኮነ ፡ ሂወት ተወሰኽቲ ኣእላፋት መንእሰያትና ንምህላቕ መደባት ይሰርዕ ከምዘሎ እዩ።
ዝኸይድ ዘሎ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ልምምዳት ኣካል ናይ’ቶ ንሰራዊት ኤርትራ ኣዕሪፉ ኸይሓስብ ንምግባር ብቐጻሊ ዝትግበሩ ናብ መቕጻዕቲ ዝተቓረቡ ታዕሊማት ጥራይ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ምንጭታት፡ እቶም ልምምዳት ኣብ’ዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ጥራይ ዝካየዱ ዘለዉ ከምዘይኮኑ የገንዝቡ።
ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ : እቶም ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ዘሳውሮም ኲናትን ግርጭታትን ከኽትሙ ከምዘይኮኑ ብተደጋጋሚ ክንሕብር ዝጸናሕና ዄንና: እቲ ጉጅለ ዓጢቚ ናብ ልምዓትን ኣህጉራዊ ሽርክነትን ከምዝነቐለ ንህዝቢ ንምድናግር ከርዮም ዝጸንሐ ልሙዳት ተዋስኦታት ከም ዝሓለፉ ሓሶታቱ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ በርዒኖም እንሆ ሓድሽ ደበና ኲናት የንጠጢ።