ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኮና መዓሰከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉን ዕለታዊ ይጥቅዑ ምህላዎምን ማዕከን ዜና ዘ-ሁማኒታሪያን ኣቃሊሑ። ኣብ ኣለምዋጭ ንዘሎ ኩነታት ብዝርዝር ዝጸብጸበ ኣቲ ማዕከን፡ ተግባራት ቅትለት፡ ኣካላዊ መግረፍቲ፡ ርስያ፡ ጭዉያን ጾታዊ ዓመጽን ቀጻሊ ተርእዮ ኾይኑ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ’ታ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ኲናት ኣትያ ዘላ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይዋሕስ ንቐጻሊ ሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ዘረጋግጸ እቲ ማዕከን ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ኽግዕዙ ብቐጻሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻውዒት ዛጊት ዝኾነ መልሲ ከምዘይተረኽቦ ወቒሱ።
እቲ ብሰንኪ ኲናትን ባሕርያዊ ሓደጋታትን ንዝስዕቡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ፍሉይ ኣድህቦ ዝህብ ማዕከን ፡ ንጸገም እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣለምዋጭ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጸገም ቀጥታዊ ሸፈነ ምሃቡ ፡ ጉዳይ እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ወገናትና ኣድህቦ ንኽረክብ ሓጋዚ ክኸዉን ይግመት።
ኣብ’ቲ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋትና ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ዝጎንፎም ዘሎ ናይ ሂወት ፈተና ንዝምልከቶም ኣካላት ይጠርዑ እኳ እንተለዉ ተግባራዊ ፍታሕ ከምዘየለ እዮም ዘማርሩ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ መረረኦም ፣ ኣብ’ቲ መዓስከር ዘሎ ርኡይ ጸጥታዊ ሃጓፍ ግዳያት ቀጸልቲ ተግባራት ጭዉያ፡ ርስያ፡ መግረፍቲን ቅትለትን ይገብሮም ከምዘሎ ናብ ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ከምኡ’ዉን ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጥርዓን ግቡእ ኣቓልቦ ይረክብ ከምዘየለ ይዛረቡ።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራዉያን: እቲ ኣብ ኣለምዋጭ ዘሎ ከቢድ ጸገም ተረዲኦም ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን ጨናፍራት ኣህጉራዉያን ትካላትን ኽጠርዑን ሰላማዊ ስለፍታት ከጽዕቚን ዝጸውዑ እቶም ኣሕዋትና: ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝርከቡ እዉን ፖለቲካዊ ፍልልላይቶም ንግዜኡ ወንዚፎም ንድሕነት ናይቶም ኣብ ኣልምዋጭ ዝቕተሉን ዝግረፉን ዘለዉ ኣሕዋቶም ድምጾም ከበርኹ እዮም ቀጻሊ ዝላበዉ።