ህዝብና ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕማም መንሽሮን ካልኦት ውሽጥዊ ሕማማትን ዘቃልዕ ሕሱም መነባብሮ ከሕልፍ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ’ዉን ሕሙማት ኣብ ኣፈሞት ምስ በጽሑ ጥራይ ካብ ሃገር ወጽዮም ኪሕከሙ ናይ ምፍቃድ ሜላ ይቕጽሎ ኣሎ።
ብሃይለ ምሕጹን ዝምራሕ መማዪ ቦርድ ሚኒስትሪ ጥዕና : ብሕማም ዝተወጽዑ ሰባት ናብ ወጻኢ ከይዶም ብወጻኢታቶም ኪሕከሙ ናይ መገሻ ፍቓድ ዝህብን ዝኸልን ኮይኑ: ኣብ’ቲ ቦርድ ብዘሎ ውዱቕ ምሕደራ ናይ ብዙሓት ህይወት ይጠፍእ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።
ዝሓመሙ ወገናትና ናይ ምሕዋይ ዕድሎም ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣጸቢኻ ወጻኢ ከይዶም ንኽሕከሙ ምፍቃድ፡ ካብ ስልታዊ መቕተልቲ ዘፍሊ ነገር ከምዘይብሉ እውን ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ድኳናት ሕድሪ ናብ ህዝቢ ዝቕርቦም ሃለኽቲ ነገራት: ጠንቂ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝዛይድ ዘሎ ተርእዮታት መንሽሮ (ካንሰር)፡ ይኸዉን ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
ተርእዮ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ኣብ ህዝብና ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይነበረ ዓቐን ይምዝገብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ: ነቶም ሕማማት ንምቅላል ዘኽእል መባእታዊ ደገፍ ጥዕና’ዉን ይኹን ኣብ ሃገር ብዘይምህላዉ: ብዙሓት ሕማሞም ከይፈለጡ ኪሞቱ፡ ገለ ውሑዳት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እንዳኸዱ ኪሕከሙ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝርከቡ ኽግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ከም ሕማማት ልቢ፡ ኩሊት ፡ መዓናጡ፡ ቃንዛ መላጎቦ ፡ ከምኡ’ውን ሓያለ ኣብ ህዝብና ቅድም ሕጂ ተራኣዮም ዘይፈልጡ ዓይነታት ኣለርጂ ብቐጻሊ ይምዝገቡ ምህላዎም ይፍለጥ።
ንግዳዊ መሓዉር ጉጅለ ህግደፍ ማለት ኮርፖረሽን ቀይሕ-ባሕሪ 09 : ካብ ዕዳጋታት ደቡባዊን ርሑቕ ምብራቅን ኤስያ ብሕሳር ዝሽምቶ ድሕነቱ ዘይተረጋገጸ ዘይቲ ብልዒ: ሽኮርን ፊኖን፡ ናብተን መነባብሮ ህዝቢ ንምድጓም ከምዝኸፈተን ዝምድረለን ድኳናት ሕድሪ ኣንዳቐረበ፡ ብዕጽፍታት ዋጋ ንህዝቢ ኽሸይጥን ንጥዕና ዜጋታትና ኣብ ሓደጋ የእትዩ ይርከብ።