ማዕረማዕረ”ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ምልካዊ ምሕደሩኡን ናይ ምዕፋን ተግባራቱን፡ ብመንገዲ ሶሻል ሚዲያ ዘይደልዮ ድምጺ ከይስማዕን፡ ሃንደበታዊ ሓደጋ ከይወርዶን፡ ክቱር ጥንቃቀ ዝገብር ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ብመንገዲ “ኤርትራ ኢምባሲ ሚዲያ” ዝተባህለት ዋንነት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኮነት ናይ ዩቱብ ቻነል ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ዝተፈነወ ምስ ወኪል ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር የውሃንስ ዝተካየደ ቃለመሕተት፡ ብትእዛዝ ካብ ሚዲያ ከምዝወርድ ምግባሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ወላ ውን ንቃል ኣገልገልቱ ብጥብቂ ዝሕሉ ዓፋኒ ጉጅለ ምኳኑ ዘሪኢ ቅሉዕ ኣብነት ከምዝኮነ ተገሊጹ።
ኣምባሳደር ህግደፍ የውሃንስ ተክለሚካኤል ኣብ ቃለመሕተቱ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ “ቆልዓ” እንዳበለ ዝገለጾ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተበላሸወን፡ እቲ ተስፋ ዝተነብሮ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ውን ብሰንኪ “ናይ ኣራት ኪሎ ቆልዓ” ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገማት ከምዝቀተሎን፡ ከምቲ ክኮኖ ዝነበሮ ከምዘየለን ጠቒሱ፡ ኣብ ምሉእ ቃለመሕተቱ ንመራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብዕሸላዊ ባህሪያቱ እንዳናሸወ ክገልጾ”ዩ ተሰሚዑ።
ን80 ዓመታት ተፈቲኑ ዝፈሸለ ናይ ባሕሪ ይምልከተና’ዩ ፖለቲካ፡ ነዚ ዞባ ከምዝበጽበጾን ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ዞባ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ምህላዋን ጠቂሱ ንዶክተር ኣብይ ዝከሰሰ ኣምባሳደር ህግደፍ፡ እዚ ቆልዓ ንኢትዮጵያ ብናይ ወጋሕታ ሕልሚ”ዩ ክመርሓ ዝህቅን ዘሎ፡ እዚ ስለዘይከኣል ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ተሳዒሩ ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክእለ’ዩ ክብል፡ ንድላይ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝተንከፈ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝሓስብ ክብል ምጥቃሱ ንባዕሉ፡ ቃላቱ ንሕልምን ንድላይን ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ጉዳይ ሓድነታ ዝሓለወታ ዓባይ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ ከይኮነ ከምዘይተርፍ’ዩ ዘእምን።
ኣብ ኣስመራ ንዝተከተመ ስሉሳዊ ኪዳን ሶማል :ግብጽን :ኤርትራን ኣልዒሉ ዝተዛረበ እቲ ኣምባሳደር፡ ብዘይካ ኢትዮጵያ ሃገራት እዚ ዞባ ዝምድነአን ምስ ኤርትራ ዝምስገን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ሱዳንን ጁብትን ውን ኣካል ናይ’ዚ ስሉሳዊ ኪዳን ክኾና ምኳነን ምግላጹ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ከበባ ንምእታዋ ብህግደፍ ዝግበር ዘሎ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ፡ ንሱዳንን ጁቡትን ክሕውሰን ውን ይሓስብ ምህላዉ ምጥቃሱ፡ ገለ ካብ’ቲ ንጉጅለ ህግደፍ ኣቆጢዑ፡ ቃለመሕተቱ ክለዓል ዝገበረ ነጥብታት ክኸውን ከምዝክእል’ዮም ብዙሓት ግምቶም ዘቐምጡ።
ብዘይወግዓውያን ኣፈኛታቱ ኣቢሉ፡ ቆልዓ በሻሻ እንዳበለ ክጻረፍ ዝውዕል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብይ ስለዝተጸርፈ ጥራሕ ንቃለመሕተት እቲ ኣምባሳደር ካኣልዮ ከምዘይክእል ዝግመት ነገር ምስ ምዃኑ፡ ምእላይ ቃለመሕተት እዚ ኣምባሳደር፡ ብግሉጽን ዘይግሉጽን መንገዲ ገለ ምስጢራት እቲ ጉጅለ ብምትንካፉ ከይኮነ ከምዘይተርፍ’ዩ ዝእመን።