ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኦሻንያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቚጽጽርን ምእዘናን ህግደፍ ወዲቚ ዝርከብ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስያን ኤርትራ ዝዳለወሉ ዘሎ ሓድሽ ፓትርያርክ ናይ ምሻም መደብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዂንኖ ገሊጹ።
ኣህጉረ ስብከታት ዝሓለፈ 9 ሕዳር ናብ ኩለን ገዳማትን ኣሕዋት ኣብያተ-ክርስትያንን ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ መበል 6ይ ሓድሽ ፓትሪያርክ ናይ ምሻም መደብ ካብቶም ዝሓለፉ ናይ 4ይን 5ይን ዘይቃኖናዊ ሙሻማት ዝፍለ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ መንፈሳዊ ተልእኾኦም ክሒዶም ንትእዛዛት ህግደፍ ከሳኽዑ መሪጾም ዘለዉ ናይ ሕጂ ኣካየድቲ መንበረ-ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ፡ ካብ ጌጋ መንገዶም ተነሲሖም ንመእመናን ቤተክርስትያንን ዘውህድ ጎደና ክሓርዩ ጸዊዑ ኣሎ።
“ንፓትርያርኮም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክበልዩን ሂወቶም ክትሓልፍን ዝጠለሙ ኣባላት ሲነዶስ ፡ ዉግዘትን መርገምን እቶም ፓትርያርክ ኣብ ዝባኖም እንዳሃለወ ፡ ሕጂ’ዉን ንሳልሳይ ግዜ ቃኖና ኽጥሕሱ ይዳለዉ ኣለዉ” ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ድሕነትን ንጽህናን ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ በዞም ካብ መንፈስ ንስጋኦም ዘቐድሙ ኣባላታ ኣብ ፍጹም ሓደጋ ኣትዩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።
ትእዛዛት ህግደፍ እንዳተቐበለ ንሓድነት እዛ ቤትክርስትያን ዘዕኑ ዘሎ እዋናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝፈጸሞ ክሕደትን ድሕሪ ሞት እቶም ኣቡን ዝቕጽሎ ዘሎ ዝበኣሰ ሓጥእን ፡ መንፈሳዊ ብቚዕነቱ ዉዱቕ ከምዝኾነ ዘረድአ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኦሻንያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ፡ እዚ ሕጂ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዘይቃኖናዊ ምሻም ሓድሽ ፓትርያርክ እዉን ነቲ ህግደፍ ኣብ ሞንጎ መእመናን ኪገፍሕ ዝደልዮ ዘሎ ምግምማዕ ካብ ምብኣስ ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ ከምዘይህሉ ኣገንዚቡ።
መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ 9 ታሕሳስ ፡ 6ይ ፓትርያርክ ንምሻም ምድላዋት ኣጻፊፉ ከምዘሎ ብዘይሕንከት ምግላጹ ኣይርሳዕን።