ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናይ ኬንያ ምስ ሙሰቬኒ ናይ ኡጋንዳ ብምዃን ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝብእስ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ክሰርሑ ምዃኖም ይሕበር ኣሎ። እቲ ኬንያዊ መራሒ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ናይ ሽምግልና ተራ ክወስድ ዝቐሰቦ ጉዳይ ፡ ሰለማዊ ዝምድና ሶማልን ኢትዮጵያን ንርግኣት እዚ ዞባ ዘለዎ ኣወንታዊ ጽልዋ ዕዙዙ ስለዝኾነ’ዩ ይብል።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ልዕሊ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት እዚ ዞባ ንፖሊሲታት ኣመሪካ ኸቃንዕ ብምምሕዳር ዋሺንግተን ተፈትዩ ብምህላዉ እዚ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ገዚፍ ድፍኢት ኣመሪካ ክህልዎ ከምዝኽእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
እዚ ተበግሶ ኣመሪካዊ ድፍኢት እንተሃልዩዎ እተን ክልተ ሃገራት ብግዲ ክቕበልኦን ናብ ዘተ ከምርሓን ልዑል ግምት ኣሎ።
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ወገናዊ ስምምዕ ብዝጠንቁ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኣዲስ-ኣበባን ሞቓዲሾን ዝሕይል ዘሎ ምትፍናን ብዙሕ መልክዕ እንዳቐያየረን ዘራያት እንዳጎጀለን ናብ ዞባዊ ኲናት ከይዓርግ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ብሰሪ’ቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ተእኣትዩ ዘሎ ኣከራኻሪ ስምምዕ ፡ ቊጠዓኣ ተዛይድ ዘላ ሶማል ፡ ነቲ ንልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ብግህዶ ዝጥሕስ እዩ እትብሎ ስምምዕ ንኸይዕወት ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ኩሉዓይነታዊ ምቅርራባት ተዛሕትልን ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስ ዝሓብራ ዘለዋ ሃገራት እዚ ሶማል ኪዳን ትምስርትን ምህላዋ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ፡ እቲ ኣትየንኦ ዘላዋ ስምምዕ ኣንጻር ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ መሰላኽላት ኣብ ተግባር ክበጽሕ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ከምዘይተቘጠባ ይንገር። ናይ’ዚ ጠንቂ ፡ መንግስቲ ሶማል ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ምትእምማን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራዊን ተልእኾታት ኢትዮጵያ ቀይድታት የዛይድ ከምዘሎ ይሕበር።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣብ ቀጽሪ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ሃገሩ ተደኲኑ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞ መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።
መሻርኽቲ ኣጓጂሉ ናብ ወተሃደራዊ ምትፍናን ከየምርሕ ኣስጊኡ ዘሎ ምትህልላኽ ሶማልን ኢትዮጵያን ፡ ቀጻሊ ብዝኽሰቱ ዲፕሎማስያዊ ምጥቕቓዓት ይጋደድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ እዉን ፡ ምክትል ቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝተነግሮ ይዝከር።