እዋናዊ ቃለመሕትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ 34 ዓመታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዘይብቑዕ መራሒ ወዲቚ ዕድላቱ ይቕተል ከምዘሎ ዘግሃደ ኔሩ። እቲ ኣብ ሓደ ዓይነት ዕላል፡ ኣብ ሓደ ቃና፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ሓደ ሸነኽ ትረኻ ሰዓታት ዝህውትት መራሒ ፡ ገና ካብ ሕልሙ ከምዘይተበራበረ እዩ እቲ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ዕላሉ ዘነጽር።
ህግደፍ ንበይኑ ኣንጻር ግዳማዊ ምትእትታዋት ደው ኢሉ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ጸጥታን ፖለቲካዊ መጻኢን ጎረባብቲ ሃገራት ምእዘና ህግደፍ ከይሓለፎ ርጉእ ከምዘይከዉን ሓያላን ሃገራት ኩሉዓይነታዊ ሓይለን ምስላዊን ኣብ ባይታ ዘየለን ምዃኑ: ህግደፍ ንዘይኣስራሒ ዓለማዊ ስርዓት ንምዕላዉን ዓለማዊ ርግኣት ንምስማርን ገና ከይተሓለለ ዝጋደል ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ: እገዳ እንተዘይህሉ ህግደፍ ንኤርትራ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ጸብለል ንምባላ ከምዘይምኣገሞን ፡ ካልእን ዝብሉ ባዕላውያን ዛንታታት ክደግም ዝተሰምዐ እቲ መራሒ ጉጅለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ገና ንዘየዕርፉ ግዳማዊ ተጻብኦታት ንምምካት ሰለም ከየብል እዩ ጸዊዑ ዘሎ።
እቲ ኣብ ዘቤት ዝነኣሰ መስተርሆት ከይህሉ ብመደብ ክሰርሕ ሽምግልና ተጫሪትዎ ዘሎ መራሒ፡ ምስ ዉነኡ እንዳሃለወ ምሕላምን ንሓሶት ምእማንን ዘይገደፎ፡ ሕጂ ኣብ ዕራርቦ ዉነ፡ ዝሓሸ ባህሪን ዝጠዓየ ሃገራዊ ንቕሎን ሒዙ ክመጽእ እዩ ኢልካ ክሕሰብ ከምዘይከኣል እዩ ኣብዚ እዋናዊ ቃለመሕትቱ ተረጋጊጹ ዘሎ።
ንቀረባ 3 ሰዓታት ብዛዕባ ፋንታዝያዊ እምንቱኡ ኣዕሊሉ : ዕላሉ ኣብ ምዝዛሙ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳያት ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ መራሒ ጉጅለ፡ ከም ልሙድ መርድእን ተስፋ ቚረጽን ዝዓበለሎም ዘረባታት ሰንድዩ እዩ ዕላሉ ኣሕጺሩ።
ደገፍቲ ህግደፍ ከም ኣመሎም ነቶም መራሒኦም ክለዓሉ ዘይደልዮም ሓቅታት ካብ ምስትብሃል ቦኺሮም ፡ ንፋንታዝያዊ ዕላላቱን ኣንነቱን ጥራይ ክሰምዑን ከስተማቕሩን ይፍትኑ ኣለዉ። እቲ ዘይስገር ሓቂ ግን፡ ዕድልን መጻኢን ናይ ናጽነት ወለዶ ኤርትራ በዚ ብዛዕባ ነብሱ ካልእ ምስሊ ኸመስክር ዓሰርተታት ዓመታት ኣሕሪሩ ዘሎ መራሒን ጉጅለኡን ገና ይቕተል ምህላዉ እዩ።