ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኲናት ትግራይ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ካብ ዝበሃል ክልተ ዓመት ምሉእ ሓሊፉ እንዳሃለወ : ወለዲ ናይቶም ኣብ’ቲ ኲናት ዝወደቚ ኣሕዋትና ወግዓዊ መርድእ ተሓሪምዎም ገና ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ ኣለው።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣጥርዩዎ ዘሎ ንዕቀት ኣበየናይ ጥርዚ ደይቡ ከምዘሎ ካብ’ዚ ኽትርዳእ ዝከኣል ኮይኑ፡ እቲ ጸቢብ ስርዓት ነዚ ኣበሳ እዚ ሒዙ ገና ሓደስቲ ኲናት ሃሰዉ ይብል ምህላዉ ይፍለጥ።
ህግደፍ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝጠፍአ ሂወት መንእሰያትና፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝዉልዖም ኲናትን ግርጭታትን ጎረባብቲ ምስ ዝወድቊ ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ጸንቢሩ ኸርድእ መዲቡ ይጓዓዝ ምህላው፡ እሙናት ምንጭታት ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሓቢሮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
ህግደፍ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዘጥፈኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ወግዓዊ መርድእ ኽገብር ሞራላዊ ትብዓት ስለዝሰኣነ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ዝመስል ኲናት ከህልቘ ተደላዩ ምስ ዘሎ ተወሳኺ ሂወት መንእሰያትና ኣላፊኑ ኸርድእ ተሊሙ ምህላዉ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።
ኣብ ኲናት ዓዲጓና ናይ ዝወደቚ ደቀን መርድእ ብዘይወግዒ ክፈልጣ ዝኸኣላ ስድራቤታት ኤርትራ ንቡር ሓዘን ከይገብራ ጓሂአን ኣብ ዉሽጠን ክሓብኣ ይግደዳ ምህላወን ምሕባርና ኣይርሳዕን።
ዕረፍቲ ደቅኽን መን ነጊሩክምን ብኸመይ ፈሊጥኩምን እንዳተባህሉ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ናይ ዝንገላትዑ ወለዲ ቊጽሪ ይዛይድ ብምህላዉ : ሓያለ ስድራቤታት ሓዘነን ንግዳም ከየውጽኣ ይሕመሳን : ጎረባብቲ ብከዉሊ ጥራይ ኪበጽሑወን ይረአን ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ’ቲ ኲናት ዝወፈሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራኦም ይኹን ቤተሰቦም ተሌፎን ይዂን ደብዳቤ ከይልእኹ ደቂቕ ምክትታል ይግበር ምህላዉ ዝሕብሩ ምንጭታትና: ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ኪበጽሑን ብስራሕ ናብ ከተማታት ክንቀሳቐሱን ዕድል ካብ ዝረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ብዝርከብ ሓበሬታታት ጥራይ እዩ እቲ ናይ ገለ ወገናትና ዕረፍቲን ኣበየ-ህላዌን ዝፍለጥ ጸኒሑ።