ኣብ ከተማ ካምፓላ ናይ ኡጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ፡ ካብ’ቲ ብሰብ መዚ ስደተኛታት እታ ሃገር ተለሚዱ ዘሎ ንዕቀትን ምንግልታዕን ንምግልጋል፡ ድልዱል ዝኾነ ማሕበር ወይ ተሓላቒ ትካል ምቛም ከምዘድልዮም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብታ ሃገር መሰል ዑቕባን ስደተኛን ዝሓቱ ኤርትራውያን ዘይከም ካልኦት ዜጋታት ካብ ሰብ መዚ እታ ሃገር ቀጻሊ ምዝመዛን ምምሕዳራዊ ምንግልታዕን ይገጥሞም ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ፡ እዚ ጉዳይ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ እንተኾይኑ ፡ እቶም ኤርትራውያን ከም’ቲ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ሶማላውያን ዝኽተልዎ ሕብረትን ጥርናፌን ከካውኑ ተላብዮም።
ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብመንገዲ’ቶም ሓቢሮም ክሰርሑ ዘይእግሞም ነጋዶን ሰብ ጸጋን ደቂ ዓዶም ኣቢሎም ድምጾም ከስምዑን ምምሕዳራዊ ጠለባቶም ብዘይዕንቅፋት ኸቃንዑን ከምዝርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝነጥፉ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ግን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊን ኢደዙራዊን ጽልዋ ኤምባሲ ህግደፍ ብምህላዎም፡ ንጸገማት ኣሕዋቶም ኣብ ምፍታሕ ከምዘይንፍዑ እዩ ዝንገር።
እዚ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብሩ ስደተኛታት ኣሕዋትና ንጸገማቶም ዝፈትሕን ድልዱል ድምጺ ዝኸዉንን ማሕበር ከቚሙን : ዉዳቤኦም ኣሐዪሎም ጸለውቲ ጠበቓታት ክቘጽሩን የድሊ ኣሎ።
ምስ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ’ታ ሃገር ዝቃረቡ ኤርትራዉያን ደላሎ ምስ ሰብመዚ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ኡጋንዳ ናይ ረብሓ ዝምድና ፈጢሮም ፡ ኤርትራዉያን ጉዳዮም ብዝተባህሎም ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ ከሳልጡ ኸገድዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ዝለመዱ ሰብ መዚ ስደተኛታት እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ግሁድ ዝኾነ ምዝመዛን ምምሕዳራዊ በደላትን ካብ ምዝናብ ኣየዐፉን።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ጨንፈር ስደተኛታት ዘጋጠመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ዝቐነየ ቀንፈዘው ወገናትና ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሰብ መዚ እታ ሃገር ተለሚዱ ዘሎ ንዕቀትን ምዝመዛን ምዃኑ ንምርዳኡ ኣየጸግምን።