ኣብ ቱርኪ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ኣማእኢት ኣባላት ኣሃዱ ኮማንዶ ሶማል ከምዝተመረቑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማል ሓቢሩ። እቲ ስልጠና ኣካል ናይቲ ቱርኪ ንመሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ሶማል ንምትርናዕ ተማልኦ ዘላ ሸነኽ ወተሃደራዊ ዉዕላ ከምዝኾነ ይንገር።
ሶማልን ቱርኪን ኣትየንኦ ብዘለዋ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ዉዕል መሰረት ፡ ቱርኪ ኣብ ሞቓዲሾ ሰሪታቶ ኣብ ዘላ ዝዓበየ ናይ ስግር ባሕሪ መዓስከራ’ዉን ንሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ሶማል ቀጻሊ ስልጠና ትህብ ከምዘላ ይፍለጥ።
ፓርላማ ቱርኪ ነቲ እታ ሃገር ኣብ ማያት ሶማል ወተሃደራታ ከተዉፍር ብፕረዚደንት ጠይብ ኦርዶጋን ዝቐረበ ጠለብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዘጽደቘ ኣይርሳዕን። እቲ ጸዲቚ ዘሎ ሕጊ :ኣሃዱታት ሓይሊ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ንጸጥታ ማያት ሶማል ንምውሓስ ንክልተ ዓመት መመላእታ ኪዋፈሩ ዘኽእል እዩ።
ኣብ 2017 ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሞቓዲሾ ደኲና እትርከብ ቱርኪ: ንሰራዊትን ኣሃዱታት ፖሊስን ሶማል ኣብ ምስልጣን ከምትርከብ ዝግለጽ ኾይኑ: ኣብዚ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ሃገራት ተኣትዩ ዘሎ ናይ 10 ዓመታት ቊጠባዊን ወተሃደራዉን ውዕል እዉን ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና መሊሱ ኣደልዲልዎ ምህላዉ ይንገር።
ቱርኪ ናይ ማእከላይ ርሕቀት ሚሳያላት እትፍትነሉን፡ ናብ ጠፈር ወፍርታታት እተበግሰሉን ቦታ ኣብ ሶማል ንምድኳን ምስ መንግስቲ ሞቓዲሾ ኣብ ዝርርብ ምህላዋ እዉን ይሕበር።
ንባህርያዊ ጸጋታትን ስትራተጂካዊ ኣቃምጣኣን ተጠቒማ ምስ ዘርብሓኣን ዝዘርያላን ሃገራት ኩሉዓይነታዊ ዝምድናታት ተቀላጥፍ ዘላ ሶማል: ብፍላይ ድሕሪ ወገናዊ ስምምዕ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ፡ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ጎደና ብዝሓየለ መልክዑ ተካውኖ ምህላዋ ይሕበር።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሞንጎ ሶማልን ቱርኪን ዝተኸተመ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ዉዕል :ኣብ ዝሰዓበ ወርሒ መጋቢት ዓባይ መርከብ ኲናት ቱርኪ ንመጀመርያ እዋን ኣብ መቛዲሾ ኣትያ ምንባራ ኣይርሳዕን።
መንስግቲ ሞቓድሾ ምስ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ዘደላድሎም ዘሎ ዝምድናታት ፡ እታ ኽፍንጨላ ብዝህቅና ርእሰ-ምምሕዳራትን ትጨናነቕ ዘላ ሶማል ጽኑዕ ጸግዒ ዘውሕሰላ ምዃኑ ብዙሓት ይትንትኑ።