ከም ንኹለን ከተማታት ሃገርና ፡ ንከተማ ኣስመራ ካብ ንጡፍ ቊጠባዊን ንግዳዊን ገስጋስ ኣደስኪሉ ዘሎ ህግደፍ ፡ ነተን ብዘሎን ዘየሎም ምኽኒታት ዝዕሽገን ትካላት ፡ ብንኡስ ገንዘባዊ ብላዕ ብከፊል ክሰርሓ ኽደጋገፉ ንዝጸንሑ ገለ ኣባላት ቁጽጽር ምምሕዳር ከተማ (ሙኒቺፕዮ) ንምርካብ ብኣልማማ ይኣስሮም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ከም ሳዕቤን ናይዚ ፡ ክፍሊ ቁጽጽር ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ኣብ ጽኑዕ ኮለላ ህግደፍ ኣትዩ ከምዘሎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ህግደፍ ንዝርካበን ትካላት ንግዲ ሃገርና ናይ ምዕሻግ ወፈራኡ መሊሱ ከሐይሎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ: ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን – እቶም ህዝቢ ንምግልጋል ዝተፈላለየ ሜላታት እንዳተጠቕሙ ንብረት ዝቕርቡ ነጋዶ ንብረት ካበይ ኣምጺኹምዎ እንዳበለ ትካላቶም ካብ ምዕሻግን ልዑል ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ካብ ምስግዳድን ኣየዕረፈን።
ትካላቶምን ዝተዓሸጎም ነጋዶ ፡ ነቶም ብዉሑድ ክፍሊት ክዛውኑ ዝውዕሉ ኣባላት ቊጽጽር ምምሕዳራት ከተማ ግቦን ብላዕን እንዳሃቡ ፡ ንዝተወሰነ ሰዓታት ናይ ምስራሕ ዕድል ከፈጥሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ፡ ህግደፍ ነዚ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገም ተመሊሱ ከም ኣራሚ ኾይኑ ከማሕድሮ ዝርአ ዘሎ።
ኣህጉራዊ ተጻብኦን እገዳን እንዳመኽነየ : ንባዕሉ ንህዝቢን ሃገርን ካብ ዝኾነ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣጊዱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: ነቶም ከይነግዱን ከይሰርሑን ከሊዎም ዘሎ ዜጋታት : ህዝቦም ንኽዕንግሉ ተበላሒቶም ናብ ሃገር ዘእትውዎ ቀረባት እንዳሕደገ ኽዳጉኖም ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ይንገር።
ህግደፍ ብዛዕባ’ቶም ብኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ: ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን መሓዉራቱ ዝተገብሩ እገዳታት፡ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ግጉይ ሓበሬታ እንዳሃበ ፣ ንህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ሕሰም የንብሮ ምህላዉ ኣይርሳዕን።
እገዳታት ኣመሪካ : ነቶም ንመነባብሮ ህዝቢ ዝጸልዉ ናይ ሕርሻ: ጥዕና :ብሕታዊ ንግድን ካልእን ጽላታት ዝትንክፍ ከምዘይኮነ ብቐጻሊ ዝሕብር መንግስቲ ኣመሪካ: ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ገንዘብ እኳ ከምዘይተኸልከለ ብምብራህ :ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝዉሰኑ እገዳታት: በቲ ጉጅለ ንዝዉነኑ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዘይጸንሑ መሓዉራት ዘነጻጸሩ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ኣመሪካ ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒዓቶም ተባሂሎም ብጉጅለ ህግደፍ ዝምደረሎም እገዳታት ፡ ኤርትራዉያን ነጋዶ ብመሬትን ባሕሪን ከይነግዱ ዝኽልክሉ ከምዘይነበሩ፡ በንጻሩ ህግደፍ ንኹሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ቆሊፉ ይኸይድ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ንኣሽሓት ኪሎሜተራት ዝዝርጋሕ ባሕሩ ከይነግድን ከይገፍፍን፡ ካብን ናብን ከተማታትን ዓድታትን ሃገሩ ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ: ከምኡዉን ናይቶም ካብ መሬቱ ተፋሒሮም ልዑል ኣታዊ ዝርከቦም ዘሎ መዓድናት ተጠቃሚ ከይከዉን ገይሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ፡ እገዳታት ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘሕለፈቶም እገዳታት፡ ናብ’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከይነግድን ከይለምዕን ብህግደፍ ተኣጊዱ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጻጸሩ ከምዘይኮኑ እዉን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝሓልፈ ቀረባ ዓመታት መግለጺታት እንዳውጸ ከብርህ ይርከብ።