ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ውን ኣስታት 500 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመንገዲ ክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ዓሰብ ከምዝጠረዞምን፡ ናብ ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ኣሕሊፉ ከምዝሃቦምን ምንጭታት eripm ካብታ ከተማ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም ።
ንከባቢ 4ዓመታት ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ሰነድ ስደተኛ እትሕዘሉ መስርሕ ብምስምስ ኮረና ቫይረስን ኲናት ትግራይን ደው ካብ ዝበለሉ ሰዓት ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሃዲሞም ናብታ ሃገር ንዛኣተዉ እልቢ ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጋዊ ሂወት ንከይነብሩን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ 3ይ ሃገር ንከይግዕዙን፡ ቀንዲ ማሕንቆ ኮይንዎም ምጽንሑን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ምትፍናን ዝርከብ መንግስቲ ፈደራል ነዞም ካብ መዓት ህግደፍ ዝሃደሙ ዜጋታትና ብናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፍርዲ ናብ ህግደፍ ከረክቦም ምውሳኑ፡ ኣብ ሂወቶም ናይ ሞት ፍርዲ ከም ምውሳን ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገብሮ ዘሎ ሃድን፡ ፖለቲካዊ ትርጉም ዝወሃቦ ኣዚዩ ዘሕንክ ዘይሰባኣዊ ተግባር ምኳኑ፡ ብዘለና ዓቅሚ ክንኩንኖን ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከነብጽሖን ይግባእ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ምትፍናን ብምእታዉ ጥራሕ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ሞት ዝሃደሙ ዜጋታትና ናይ ሞት ፍርዲ ይውስን ምህላዉ ተረዲኡ ንውሳኑኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ከነካይድ ከምዝግባእ”ዮም ዘተሓሳስቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብተመሳሳሊ፡ ልዕሊ 270 ዝቁጽሮም ዜጋታት ብመንገዲ ዓሰብ ኣቢሉ ንጉጅለ ህግደፍ ኣሕሊፉ ምሃቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐበሎም ዜጋታት ኣብ ሕሱም ወተሃደራዊ ሂወት ከምዝምለሱ ብምግባር፡ ንዳግማይ ስደት ከምዝገደዶምን፡ ዝበዝሑ ውን ዳግማይ ንኢትዮጵያ ተመሊሶም ከምዝተሰዱን ዝሓበሩ እቶም ተቓለስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓታቲ ዑቅባ ዝግበር ፖለቲካዊ ፍርዲ ፍጹም ተቐባልነት ስለዘይብሉ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ደላዪ ፍትሒ ኣትሪሩ ክቃለሶን፡ ድምጺ ዜጋታቱ ክኸውን ከምዝግባእን ኣብ ዝሰደዱልና መልእኽቲ ተላቢዮም።