መንግስቲ ሽወደን፡ ትማሊ ሓሙስ 5 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጾኦ ኣዋጅ፡ ኣብ ልዕሊ ቶም ብፖለቲካዊ ዑቅባ ኣብታ ሃገር ተዓቊቦም ክንሶም፡ ናብ ሃገሮም ዝመላለሱ ስደተኛታት ዜጋታት ክሳብ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝክእል ኣሚቱ።
ብመሰረት እቲ ትማሊ ዝወጸ መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ፖሊስ እታ ሃገር፡ ንጉዳይ እቶም ፖለቲካዊ ዑቅባ ተዋሂቦም ክንሶም ናብ ሃገሮም ዝመላለሱ ስደተኛታት ኣጽኒዑ፡ ህጹጽ ሓበሬታ ናብ ቤትጽሕፈት ወጻእተኛታት ከረክብ ተልእኮ ዝሃበ ኮይኑ፡ እቲ መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ምስ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ብዝሒ ስደተኛታትን፡ ሽወደን ነቶም ብፖለቲካዊ ዑቅባ ተዓቂቦም ክንሶም ናብ ሃገሮም ንዝመላለሱ ስደተኛታት መንበሪ ፍቃዶም ክትስርዝ ትንቀሳቀስ ምህላዋ”ዩ ዘረድእ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቃሉ ዝሃበ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ወጻእተኛታት ሽወደን ጆሃን ፎርሰል ብወገኑ፡ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ተዋሂቦም ክነሶም፡ ናብ ሃገሮም ዝመላለሱ እንተ ድኣ ኮይኖም፡ ወይ እቲ ዝረኸብዎ ፖለቲካዊ ዑቅባ ኣድላዪ ኣይነበረን፡ ወይ ውን ካብ መጀመርታኡ ብሓሶት ዝተረኽበ ፍቃድ ዑቅባ ስለዝኮነ፡ መንበሪ ፍቓድ ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ኮይኑ፡ ሃገሩ ናብ ዓዶም ዝመላለሱ ንምጥራዝ ንዘፍቅድ ተክእሎታት ኣብ ምጽናዕ ምህላዋ”ዩ ዘረድእ።
እዚ ትማሊ ዝወጸን ንብዙሓት ነበርቲ እታ ሃገር ስክፍታ ዝፈጠረን መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ንኹሎም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ሓተትቲ ዑቅባ ዝምልከት ወላ ዳኣ ይኩን እምበር፡ ብቀንዱ ንደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝምልከት ኮይኑ፡ እዚ ሓበሬታ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ እቶም ቀንዲ ግዳያት ደገፍቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ክኾኑ ምኳኖም”ዩ ዘረድእ።
ስደተኛ ብዘይ ፍቓዱ ናብ ዝመጾ ሃገር ክትመልሶ ምፍታን፡ ንዓለምለካዊ ሕግታት UN ዝጻረር ግህሰት ሰባኣዊ ክብርታት ወላ ዳኣ ይኩን እምበር፡ ሽወደን ክትወስዶ እትሓስብ ዘላ ስጉምቲ፡ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጥሕስ ዘይምኳኑ ከኣ፡ ኣብ ብዙሓት ደገፍቲ ምልኪ ሃገርና ዝኮኑ በለጸኛታት ራዕድን ስጋኣትን ፈጢሩ ይርከብ።
•••