ሓደ መላኺ ጉጅለ ይንዋሕ ይሕጸር ብሓይሊ ጥራይ ኽእለ ከምዝኽእል እቲ ኣብ ሶርያ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ቀጥታዊ ምስክር ኮይኑ ኣሎ።
ነዊሕ ካብ ዝመለኸ ወላዲኡ ሓፊዝ ስልጣን ተቐቢሉ ንስልጣኑ ኽብል ንሶርያ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናት ኽትቅጽል ዝፈረዳ ባሻር ኣልኣሳድ ፡ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊ መሳርዑ ብዘይዘየግድስ ብቐንዲ ዕጡቕ ተቛዋሚ ጉጅለ እታ ሃገር ማለት ሓያት ታሕሪር ኣሻም ካብ ሃገር ተሳጒጉ ኣሎ።
መጻኢ ኣታ ሃገር እንታይ ከምዝኸዉን ወይዉን ናበየና ሸነኽ ከምዘብል ዛጊት ዝተነጸረ ነገር እኳ እንተዘየለ፡ እንተወሓደ ሶርያውያን ካብዚ ስድራቤታዊ ምልኪ ተገላጊሎም መጻኢኦም ንኽዉስኑ ዝሓሸ ባይታ ክህልዎም ምዃኑ እዮም ብዙሓት ወገናት ዝትንትኑ ዘለዉ።
ሓይልታት እቲ ዕጡቕ ተቛዋሚ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ ፡ ኣቐዲሙ መላእ ስድራቤቶ ናብ ሩስያ ከምዘግዓዘ ዝተነገረሉ ባሻር ኣልኣሳድ ፡ ዘይከም’ቲ ኽፍክሮን ንህላዌ ሶርያ ክሳብ ብሞት ኽቃለስ ምዃኑ ኽስብኮን ዝጸንሐ ንሱ’ዉን ብፍልይቲ ነፋሪት ምምላጡ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ምስጓግ ባሻር ኣልኣሳድ ካብ ሶርያ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጸወታታት ሓያልን ሃገራት ኽጸልዎ ምዃኑ ዝሕብሩ እቶም ተነተንቲ፡ ብዉሑዱ ግን ህዝቢ ሶርያ ካብ’ቲ ንስልጣኑ ኽብል መርኣያ ኲናትን ስደትን ገይርዎ ዝጸንሐ ናይ ምልኪ ስድራቤት ምንጋፉ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ የገንዝቡ።