ብዝሒ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓጺር እዋን ይተዓጻጸፍ ምህላዉ ዝተረደኦ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ጽልዋን ቀይዲን ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ሜላታት ከቀላቕል ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ከተማ ካምፓላ ሓቢሮም።
ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ፡ ባህሊን ስፖርቱን ዝኣመስሉ ግን ከኣ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎም ወፍርታት ህግደፍ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብጻዕቂ ይንጠፈሎም ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፡ ነዚ ወፍርታት እዚ ንምዕዋት ፡ ናብታ ሃገር ብስደት ኣምሲልካ ዝኣትዉ ስነጥበበኛታትን ጽልዋ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃለሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ዝነጥፉ ሞያተኛታትን ብዝሖም ዕለታዊ ይውስኽ ምህላው የረድኡ።
ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዘሎ ዘይምቹእ ኩነታት ንምርሓቕ ናብ ኡጋንዳ ብፍላይ ድማ ናብ ከተማ ካምፓላ ዝዉሕዝ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ብዝሒ ስደተኛታት ወገናትና ብዝተዓጻጸፈ ኣዕሪግዎ ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ክንድዚ ብዝሒ ኣብታ ንስደተኛታት ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ኣለዋ እትበሃል ኡጋንዳ ምእካቡ ንህግደፍ ዘደቅስ ከምዘይከዉን ንጹር እዩ።
እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ህግደፍ ፡ ነዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ገዚፍ ዉዳቤ ከምርሕ ዝኽእል ብዝሒ መንእሰያት ብኣጋኡ ንምቊጽጻሩ ዝጓየ ዘሎ።
እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መሓዉራት ህግደፍ ዝነጥፉ ዝነበሩ ዉልቀሰባት ድሮ ኣብ ከተማ ካምፓላ መንበሪኦም ኣጣጢሖም ነዚ ሓድሽ ህግደፋዊ ወፈራ ንምዕዋት ይንቀሳቐሱ ምህላዎም እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ዝራባሓ ዘለዋ ናይ ጎስጓስ ሚድያታት ህግደፍ ነዚ ተተሊሙ ዘሎ ወፈራ ንምቕናዕ ድሮ ፡ ሓበርቲን ኣዘናጋዕቲን መደባት እንዳቕረባ ኣቓልቦን ሰዓብነትን ናይቶም ስደተኛታት ንምኽሳብ ይጽዕታ ከምዘለዋ እዉን እቶም ምንጭታት የብርሁ።