ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን ብ7 ታሕሳስ ሳልሳይ ምዱብ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብቲ ሓደስቲ ኣባላት መሪሕነት ብድምጺ ተሳተፍቲ ዝተተኽሉ ጉባኤ፡ ክፉት ናይ ምብህሃልን ብሃናጽነት ናይ ምዉቕቓስን መንፈስ ዝተጸባረቐሉ ኔሩ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን ክዘሎም ዘይግባእ ዉሽጣዊ ብድሆታት ብዘይሕብእብእ ናብ ጣውላ ዘቕረቡ እቶም ጉባኤኛታት ብፍላይ ኣብ መሪሕነት ክህሉ ዝግባእ ብሱልነትን ጥንቃቐን ብደቂቕ ተላዚቦም።
ብዘይካዚ ፡ ተስታፈቲ ብጉዳይ ሕዳሰን ንጹርነትን ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል ሓያለ ሓሳባት ከምዝተለዋወጡ ክፍለጥ እንከሎ: ክፉትነትን ተመላላእነትን እቶም ዋዕለኛታት ደስ ዘብል ነይሩ።
ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ተጸንቢሮም ንናህሪ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓልኩ ትሕተ ሃገራዊ ዛዕባታት ዝወፍሩ ወገናት ፡ ዕላማኦም ብግቡእ ተለልዩ ኪንቀሓሎም: ብእንዳን ኣውራጃን ተሓቢኦም ጽልዋኦም ከግዝፉ ዝደልዩ ኣካላት ብኣጋኡ ዝእደብሉ ትካላዉነት ኪሕይል: እቲ መንቅስቓስ ፍትሓዊን ካብ ኣካይዳን ባህሪን ህግደፍ ፍጹም ዝረኻቐን ቈመና ከረጋግጽን ካልን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ብሃናጽነት ተዘሪብሎም።
ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ካብ ዉሽጢ ንዝነቕሉ ብድሆታት ዝገጥመሉ እንኮ ኣማራጺ፡ ወዳቤኡን ትካላዉነቱን ብምድልዳል ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ምንቅስቓስ ፡ ስልጣንን ደረትን መሪሕነቱን ንጽህና ኣባላቱን ንምርግጋጽ ክቐሎ: ንጹር ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከሕይል ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዮም እቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝመኽሩ።
ንህዝባዉነት እዚ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ሃሪፎም ዉልቃዊ ዕቤት ክሓፍሱ ንዝጓየዩ ላዕለዎት ይኹኑ ማእከሎት ኣባላቱ ፡ ደረቶም ዝፈልጥሉ፡ ሓባራዊ ሓላፍነቶም ዘቐድምሉን ሓለውቲ ናይ’ዚ ዝገዘፈ ዕላማ ኪኾኑ ዝግደደሉን ትካላዊ መሳርዕ የድሊ ከምዘሎ እዉን ብተደጋጋሚ ዝዝረብ እዩ።
ህግደፍ ነቲ ኣብ ገለ ጨናፍር ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ዝረኣዩ ነኣሽቱ ጌጋታት ከም መበገሲ ወሲዱ ነቓዓት ኸጋፍሕ ዕድል ከይረክብ፡ ኩሎም መራሕቲን ኣባላትን እዚ ምንቅስቓስ ሓላፍነቶም ክስከሙ ዝጠልብ ህዝባዊ ጻውዒት እዉን ቀጻሊ ይዛይድ ኣሎ።
ንምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብኣባልነት ይኹን መሪሕነት ዘይብጽሕዎ ገለ ወገናት ፡ ጎጃጃሊ ሓሳብን ዕላማን እንዳሰንዑ ነዚ ዕላማኡ ኣጸቢቑ ፈሊጡ ተላዒሉ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል፡ መንፈስ ዘይምትእምማን ምግድዳዕን ክዘርእሉ ይጓየዩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ: እዚ ብእዋኑ ቀይዲ እንተዘይተጌርሉ ከቢድ መዘዝ ክህልዎ ዝኾነ ተርእዮ ፡ ብኹሉ ኣባል እዚ ምንቅስቓስ ኪኹነን፡ ብቐንዱ ድማ መራሕቲ እዚ ምንቅስቓስ ንኸምዚ ዝበለ ዕንቅፋት ባይታ ዝኸልእ ትካላዊ መሳርዕ ከሐይሉ ይግባእ።