ኣብ ቀዳምይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2012፡ ጓል 15 ዓመት እንከላ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ካብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ተጨዉያ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ደሃይ ዘይብላ ሲሃም ዓብዱ፡ ድሮ ኣብ ማእሰርቲ እትርከበሉ ዓመታት 12 በጺሑ ።
ንመልጎሚ ኣፍ እቲ ናብ ስደት ዘምረሐ ወላዲኣ ሚኒስተር ዜና ነበር ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ከም ትሕጃ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ትርከብ ሲሃም ፡ ኣብ ምዝዛም 2012 ወላዲኣ ካብ ካብ ሃገር ድሕሪ ምርሓቑ፡ ከም ጅሆ ከምእተወስደት ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ወላዲኣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኣዉስትራልያ ይነብር ምህላዉ ዝሕበር ዋላ ይዂን፡ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈት ተኣልዩ ከምዘሎ እዮም ናብ ቀረባ ፈለጥቱ ዘረድኡ።
መንግስቲ ኣመሪካ ጉዳይ ናይ’ታ ብዜግነት ትብጽሖ፣ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ካብ እትዳጎን ዓመታት ጌራ ዘላ ሲሃም ቅልጡፍ ፍታሕ ኽርከቦ ካብ ምምሕጻን ሓሊፉ ዛጊት ዝወሰዶ ተግባራዊ ተበግሶ የለን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዓንኬሉ ብመሪሕነት ወፊሮም ዝጸንሑ እሞ ሃንደበት ካብኡ ኣርሒቘም ናብ ስደት ዘምልጡ ወገናት፡ ኣብ ግዳም ወጽዮም ዝፈልጥዎ ከይዛረቡ ፡ ነቶም ኣብ ሃገር ዝረኽቦም ኣባላት ስድራቤቶምን መቕርቦምን ዒላማ ምግባር ልሙድ ሜላኡ እዩ።
ብዛዕባ ኣበየ ህላዌ ኩነታትን መንእሰይ ሲሃም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝተፈለጠ ነገር የለን።