ተሰማዕነት ካብ ዘለዎም ሰኔተራት ኣመሪካ ክልተ ፡ ሪቻርድ ዱርቢንን ፐተር ወሊሽን ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብምዝካር፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኣረሜናዊ ተግባራት ኣርሒቚ ፍትሒ ከንግስን ንኤርትራ ካብ እገዳን ተነጸሎን ናብ ዘናግፋ ጎደና ከምርሕን ጸዊዖም።
እቶም ሰኔተራት ነዚ ዝተማሕጸኑ ፡ ብ12 ታሕሳስ ኣብ ቅድሚ ሰኔት ቀሪቦም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፖለቲካውያን እሱራት ፍትሒ ኽረክቡ ኣብ ዝጸውዕሉ እዩ።
ሰኔተር ሪቻርድ ዱርቢን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብታ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ እንዳተባህለት ትጥቀስ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ፡ ኹሎም ነጻነታትን መሰላትን ተቐዪዶም ፡ ዜጋታት ዝኾነ ዓይነት ደሞክራስያዊ ሃቐነ ኣብ ዘንጸባርቕሉ ሻቡ ከምዝዳጒን ብምዝኽካር፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 23 ዓመታት ዝተእኣስሩ ወገናት ምህላዎም መስኪሩ።
ንኣሳእል ጋዜጠኛታት ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣማኒኤል ኣስራት፡ ስዩም ጸሃየን ተመስገን ገብረየሱስን ከም ኣብነት ሰቒሉ ዘረባኡ ዘስመዐ እቲ ሰኔተር፡ መራሒ ህግደፍ ምስ ዓለም ዘዛምድዎ ደሞክራስያዊ ኣገባባት ክኽተልን ብፖለቲካዊ ድፍኢት ኣሲሩ ንዘሳቕዮም ዘሎ ዜጋታት ክፈትሕን ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም ግህሰታት ሰባኣዊ መሰላት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ከምዘሎ : ከም ፍሉይ ራፖርቶር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ዓመታዊ ኣብ ዘካፍልዎም ጸብጻባት ምስ ሓበሩ እዮም።
ብሓሶትን ፈኸራን ሕመቚ ምሕባእ ዝለመደ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፉ 34 ዓመታት ነጻነት ፡ ንደሞክራስያዊ ኣካይዳታት ካልኦት ሃገራት ከነኣእስን ብዛዕባ ሰብኣዉነት ክወራዘን ንህዝቡ እታ ዝነኣሰትን መሰረታዊትን ናይ ምንባርን መሰል ከሊኡ ይርከብ።