ንኽልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ዘምርሐ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝካየዶ ርክብ፡ ኢትዮጵያ ብሕጋዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ሃገሩ ኽትደጋገፍ ምዃኑ ኣነጺሩ።
እቲ ፈረንሳዊ መራሒ ብ21 ታሕሳስ ናብ ኣዲስ-ኣበባ በጺሑ ምስ ኣቢይ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ ነቲ መርገጺ ኣነጺሩ። ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ እቲ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሞንጎ ፈረንሳን ኢትዮጵያን ዝሕይል ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኢትዮጵያ ንሕጋዊ መትከላት ልኣላዉነት ብዘይጥሕስ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እንተኾይኑ ድሌታ ፡ ፈረንሳ ኸምእትድግፎ ካብ ፕረዚደንት ማክሮ ቃል ከምዝተእኣትወሉ እዩ ኣረዲኡ።
ፈረንሳ ኣብ ፈላሞ ዓመታት ስልጣን ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዕላማኡን መነሃርያኡን ዛጊት ዘይተነጸረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምምስራት ብኢትዮጵያ ንዝነቐለ ተበግሶ ንምድጋፍ ኣማእኢት ሚልዮናት ኤሮ ከምትቕርብ ገሊጻ ኔራ እያ።
ፕረዚደንት ማክሮን ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ብኣዋጅ ኣንካራ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ከምትድግፎ እዉን ገሊጹ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ነቲ ሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን ጎደና ዝተኸተለ ምኹኑ ዝምጉተሉ ጥሙሕ ኣፍደገ ባሕሪ ንምግሃድ ዝሕግዞ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዘሎ ይፍለጥ። እንተኾነ ፡ እቲ ጥሙሕ ንልኣላዉነትን እተን ኣፍደገ ባሕሪ ከቕምስኦ ዝጥምተን ዘሎ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝሕሉ መንገዲ ይስጉም ከምዘየለ እዩ ዝዉቀስ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2024 ዝኣተዎ ስምምዕ ንኣብነት ፡ ንልኣላዉነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማል ብዝጥሕስ መንገዲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንባሩ ኣብ ምንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ንዓመት መመላእታ ዝቐጸለ ምትፍናን ነጊሱ ጸኒሑ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣንቂልዎ ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መደብ፡ ብዙሕ መዘዝ ዝጎትት ከምዝመስል ድሮ ካብቲ ኤርትራን ግብጺን ዝርከብኦ ጎረባብቲ ኣንጻር እቲ ተበግሶ ዘቚመኦም ዘለዋ ኪዳናት ንምርዳእ ዝከኣል እዩ።