ብዘይየቛርጽ ኲናትን ወረ ኲናትን ዝሰልከዮም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ዝቐረበሎም ከርሕቚ ይረኣዩ ኣለው። ካብ ዉሽጢ ሃገር ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 150 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ጂቡቲ ሰጊሮም ኢዶም ከምዝሃቡ እዩ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ፡ እቶም ዝበዝሑ ካብ ክፍለሰራዊት 15 ኾይኖም ፡ ኣስታት 20 ካብኣቶም ምስ ምሉእ ዕጥቆም ዝሰገሩ እዮም።
ኣንጸላልዩ ካብ ዘሎ ደበና ኲናት ንምርሓቕ ካብ ሃገር ናይ ዝወጽኡ ዘለዉ መንሰያትና ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።
ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናትን ስደትን ኣዳኺምካ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ሕልሚ ኢሳያስ ደዉ ክብል እንተኾይኑ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክስከሙን ንህዝቦም ካብ ተወሳኺ ኲናት ንምግልጋል ዘቤታዊ ዕዪኡ ኸቃንዕን ኣገዳሲ ኣዩ።
ህግደፍ ፡ ግዳማውያን ጸላእቲ እንዳፈብረኸ ፡ ንሃገርናን ህዝብናን ን34 ዓመታት ኣብ ኲናትን ደበና ኲናትን ኣዳኺምዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ: እዚ ከኽትም እንተኾይኑ፡ እቲ ብቐዳምነት ንእስነቱን መጻኢኡን ብዘይ ሞሳ ዝቚመሮ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንመሰሉ ደዉ ክብል ይግባእ።
ሕጂ’ውን ንኤርትራን ህዝባን ካብ ሓድሽ ኲናት ከናግፋ ዝኽእል እንኮ ሃገራዊ ትካል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ንዕድል ሃገርን ህዝቢን ከይተጸገመ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ንምባል ምእንቲ ክጥዕሞ ፡ ንቅዋምን ትካላውነትን ዘዕነወ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ: እዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን መስሪቱ ምስ ኢትዮጵያ ዝሕልኖ ዘሎ ኲናት ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ኪቃወሞ ዝኽእል ቀንዲ ሃገራዊ ኣካል ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጥራይ እዩ።
ሕጂ’ዉን ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቢን ሃገርን ካብ ግዳማዊ ጸላኢ ኽከላኸል ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ውሽጢ ንዝመጽእ መግዛእቲን ሓደጋን እውን ኣደብ ከትሕዝ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኽግንዘብ ይግባእ።