ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዝዓቢ ዘሎ ስእነት ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ጸጥታዊ ጸገማትን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ምብጽሑ ተገሊጹ።
ድሕሪ”ቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ሰለማዊ ሃዋሁ ተመሊሱ፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝተጎደአ ሞራሉን፡ ዝዓነወ ቁጠባዊ ዓምቅታቱን ንምጽጋን ክወፍር ትጽቡቱ እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ብሰንኪ ኣብ ክልተ ደምበ ዝተኸፍለ መሪሕነት ሕዋሓት ግን ሃለዋት እታ ክልል ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ደረጃ ይከይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ካብ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶቶርያ ኣትሒዙ፡ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ብዶክተር ደብረጺዮን ዝምራሕ ጉጅለ ሕዋሓትን፡ ንግዚያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ናይ ጌታቸው ረዳ ጉጅለ ሕዋሓትን ተኸፊሉ፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ ብዝኸዱዎ ዘለዉ ኣሰካፊ ኣካይዳ ሃለዋት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ምህላዉ ዝገለጽ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ንከባቢ ክልተ ዓመታት ብዘይ መፍትሒ ይኸይድ ምስ ምህላዉ፡ ማዕረ”ቲ ብስእነት ስራሕ ዝሳቀ መንእሰይ፡ ጭውያን ዝምታን ክዓቢ ጌሩ፡ ወላ ውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታታት ብሰላም ምንቅስቃስ ናብ ዘይከኣለሉ ኩነታት የምርሕ ብምህላዉ ስጋኣት ከምዝተሰምዖም”ዮም ነበርቲ ዝገልጹ።
ቅድሚ ገለ ሳምንታት ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ሕዋሓት፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ንግዚያዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ጌታቸው ረዳ ጉጅለ፡ ክሲ ብሄራዊ ክሕደት ብምእዋጅ፡ ናብ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ያኣቱ ምህላዉ ምግላጹን፡ ጉጅለ ኣቶ ጌታቸው ብወገኑ ኣብ ልዕሊ”ቲ ብህርፋን ስልጣን ዝተሳቀየ ክብል ዝገለጾ ጉጅለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምኳኑ ግብረመልሲ ምሃቡን ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ዘሎ ኩነታት ካብ ዝበኣሰ ናብ ክምለስ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላው ዝእንፍት ብምኳኑ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩ ስደት መንእሰያትን ምግዓዝ ስድራቤታት ናብ ኣዲስ ኣበባን ብኣሰንባዲ ቁጽሪ ይዛይድ ምህላዉ ዝተነግረ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰለማዊ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፡ ንትግራይ ናብ ዳግማይ ኲናት ክመልሳ ዝክእል ሓደገኛ ኣካይዳ ብምኳኑ፡ ንነበርቲ ስቅያት ኮይኑዎም ምህላዉ”ዩ እቲ ካብ’ታ ክልል ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ዘነጽር።