ግብጺ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ኣንካራ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማልያን ትከታተሎ ምህላዋ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብሽምግልና ቱርኪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣንካራ “ብቐረባ” ይከታተሎ ምህላዋን፡ ስምምዕ ኣንካራ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ኣበርክቶ ክገብር’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎን ‘ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
መራሒ ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ
ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ፈረንሳዊ መዘንኡ ኣማኑኤል ማክሮን ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ርክባት ኮይኑ፡ ብማእከልነት ጣይብ ኤርዶጋን “ ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማልን ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎኹ” ክብል”ዩ እቲ መራሒ ኣብ መግለጺኡ ዘነጽር።
መራሒ ግብጺ ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ መግለጺኡ፡ ስምምዕ ኣንካራ ጸጥታዊ ምርግጋእ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ኣበርክቶ ክገብር”ዩ ዝብል እምንቶ ከምዘለዎ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ስምምዕ ምስ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ዓለም ዝሰማማዕ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎ ውን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ናይ ቴለፎን ርክብ ምስ ፈረንሳዊ መዘኑኡ ማንዌል ማክሮን ዘካየደ ኣልሲሲ፡ ክልቴአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ቁጠባዊ ወፍርታት ዝያዳ ምትሕብባር ከዕብያ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተሰማምዑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ግብጺ ኣብ እተካይዶ ልምዓታዊ ወፍርታት ፈረንሳውያን ኩባንያታት ዝያዳ ከምዘድልያ ውን ኣስሚሮምሉ ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መንጎ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራዊ ድሕነት ግብጽን ንዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር” ዝጠቀሰ መራሒ ግብጺ ኣብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡
ዘተ ክልቲኦም መራሕቲ ንዞባዊ ምዕባለታትን ምልውዋጥ ሓሳባትን ዘጠቓለለ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ግብጺ ብመንገዲ ኽልተኣዊ ምትሕብባር ይኹን፡ ሕቶ ሶማል ተቀቢላ ኣብ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብምስታፍ፡ ጸጥታዊ ምርግጋእ ሶማል ንምርግጋጽ ትሰርሕ ምህላዋ ዝጠቀሰ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ኩለመዳያዊ ምርግጋእ ሶማል ክሳብ ዝረጋገጽ ምስ ሶማል ክትሰርሕ ምኳና ውን”ዩ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣትሒዘን፡ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማል ዝተፈልየት ዞባ ሶማሊላንድ ንወደብ ኣመልኪታ ብዝከተመቶ ውዕል ኣብ ከቢድ ምትህልላኽ ኣትየን ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ቱርኪ ብዝተከተመ ስምምዕ ኣንካራ ግን ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ተዛማዲ ሰላም ምህላዉ”ዩ ዝንገር።