ወርሒ ጥሪ ካብ ስልጣኑ ዝፋኖ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ ንዩክሬን ናይ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘጽደቀ ተገሊጹ።
ናይ ክልተ ሰሙን ፍሉይ ስርሒት ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዝፈለመ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን፡ ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሽሕ መዓልታት ክበጽሕ ዝከኣለ፡ ኣመሪካ እትመርሐን ብዙሓት ሃገራት ምዕራባዊ ዓለም፡ ኲናት ሩስያ ንምምካት ወተሃደራውን ገንዘባዊ ደገፍት ናብ ዩክሬን ክልእካ ብምጽንሐን ኮይኑ፡ እዚ ናይ ባይደን ደገፍ ውን መቐጸልታ ናይ’ቲ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ደገፋት ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ድሕሪ ዒስራ መዓልታት፡ ስልጣኑ ብምርጫ ንዝተዓወተ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከረክብ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣጽዲቁዎ ዘሎ ናይ ልዕሊ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ድጋፍ፡ ምናልባት ናይ መወዳእታ ዙርያ ደገፍ ኣመሪካ ንዩክሬይን ክኸውን ከምዝክእል ዝሓበረ ሮይተርስ፡ እቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ጸዲቁ ዘሎ ዛዛሚ ደገፍ፡ ዩክሬን ንሩስያ ከተጥቅዕ ዝሕግዝ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝን፡ ካልእ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋርን ዘማእከለ ምኳኑ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እዚ ናይ ሎሚ ደገፍ ብኽልተ እብረ ንዩክሬን ዝወሃብ ዘሎ ደገፍ ኮይኑ፡ ብዘይካ ገንዘብ ካብ ወተሃደራዊ መኽዘናት ኣመሪካ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዘመናዊ ኣጽዋር ብቐጥታ ንዩክሬይን ምዕጣቅ ዘጠቃልል ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንዩክሬን ዝገበረቶ ደገፍ ልዕሊ 61 ቢልዮን ዶላር ምብጽሑ ሰነዳት እታ ሃገር ዘረድእ ኮይኑ፡ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ወርሒ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝተዓወተ ፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዩክሬን ዝወሃብ ገንዘብ ኣመሪካ ደው ከብሎ እየ ክብል ተሰሚዑ ምስ ምንባሩ፡ እዚ ናይ ሕጂ ደገፍ ዛዛሚ ደገፍ ክኸውን ከምዝኽእል”ዩ ዝንገር።