ህግደፍ መንእሰያት ናብ መሪሕነት የምጽእ ከምዘሎ ብገለ ሸነኹ ጀሚርዎ ዘሎ ጎስጓስ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ዘሕይሽ ከምዘይኮነ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ይሕብሩ ኣለው።
እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ብሓላፍነት ንምትካእ ይዳለዉ ከምዘለዉ ኣምሲልካ መላለዪ ጎስጓስ ዝወፍረሎም ዘሎ መንእሰያት፡ ኣብ ፖለቲካውን ፍልስፍናውን መሳርዕ ናይቲ ንሃገርን ህዝቢን ለኪሙ ዘሎ ጸቢብ ስርዓት ዝተመልመሉን ሓድሽ ተስፋ ሒዞም ኪመጽኡ ባይታ ዘይብሎምን ብምዃኖም፡ ሃገርና ወዲቓቶ ካብ ዘላ መዓሙቕ ከውጽኡ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ናይቲ ኣብ ግጉይ መስመር ዝሸምገለ ስርዓት ንምርግጋጽ ዝቕመጡ ጥራይ እዮም።
ቅዋምነትን ትካላውነትን ዘፍርሆ ጸቢብ ስርዓት ከም ተካእቲ ክሓርዮም ዝኽእል መንእሰያት ፡ ክንዲ ዝድለ ብቕዓት ይወንኑ ፡ ከምቲ ኣካይዳኡን ባህሩን ንኽቕጽልሉ ዝሰርዖን ጸቢብ ጉጅለ ፡ ንፍትሒን ሓርነትን ህዝብና ዘሳኽዕ ፖለቲካዊ ባይታ ዘይጻወሩን ከምኡ ዝበለ ባይታ ኣዝዩ ዘርዕዶምን ኾይኖም ከምዝቕጽሉ ኣየማትእን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር መጻኢ፡ ንዝበዝሐ ጽፍሓታት ስልጣን ብመንእሰያት ደገፍቱ ንምትካልእ ምድላዋት ኣጻፊፉ ምህላዉ ክንሕብር ጸኒሕና ። እቶም ኣብ ማእከላት ኽድርና ከምኡ’ዉን ብመንገዲ ዕጹዋት ስልጠናታትን ነዊሕ ኽምልመሉ ዝጸንሑ ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ዝነብሩ መንእሰያት ደገፍቲ ፡ ብዘይካ’ቶም ንላዕለዎት ደቂ-ሓለፍቲ ተሓዚኦም ዘለዉ ገዘፍቲ ስልጣናት ፡ ኣብ ሓያለ ናይ ሚንሲትሪታትን ዲፕሎማስያዊ ተልኾታትን ጽፍሒ ቦታ ክወሓሰሎም ተመዲቡ ከምዘሎ እዩ ብተደጋጋሚ ዝመጸና ዘሎ ሓበሬታ ዘመልክት።
ኣብዚ ግዜ እዚ ከም ዲፕሎማስያውያን ወኪላት ህግደፍ ኮይኖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ሓደስቲ መንእሰያት፡ ኣካል ናይ’ቲ ብዉሽጢ ዉሽጢ ዝቃናዕ ዘሎ ምትኽኻእ ምልካዊ ስርርዕ ኾይኑ፡ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፡ ጽፍሕታት ሚኒስተርነትን ዞባዊ ምምሕዳራትን ናብ’ቶም ምልኪ ከቐጽሉ ነዊሕ ዝሰልጠኑ መንእሰያት ኪርከብ ከምዝኾነ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምሕባርና ኣይርሳዕን።
ከም ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንግዳውን ፖለቲካውን ጉዳያት ህግደፍ፡ ምክልኻል ፡ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ዝበሉ ጽፍሕታት ናብ ዉሉድን መቕርብን ናይቶም ነቶም ጽፍሕታት ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ንምስግጋሩ ኽጥዕም ፡ እቶም ዝትክኡ ኣብ ጎኒ እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጌርካ ናይ ምምልማል ሜላ ነዊሕ ክስረሓሉ ምጽንሑ እዉን ይፍለጥ።