ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ብኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ተሻቒሉ ከምዘሎ ፡ ኣብቶም ካብ ዉሽጢ ሃገር ብቐጻሊ ከሰናድኦም ጀሚሩ ዘሎ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ዝጸመዱ ጸለመታትን ፡ ንንጥፈታት እቶም ደለይቲ ፍትሒ ብደቂቕ እንዳተኸታተልካ ዝምስርሑ መጎተታትን ይንጸባረቚ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ተቛወምትን ደለይቲ ፍትሕን ቃል ኣንጢሩ ዘይፈልጥ ህግደፍ ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ እቶም ተቓለስቲ ከየልዓለላ ትሓልፍ መዓልቲ ዘይምህላዋ፡ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ በዚ ደንበ ተበዲሁ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ደንበ ፍትሒ ተስፋ ንኺቘርጽን ኣብ ሞንጎኡ ምትእምማን ንኸጥፍእን ዝዓለሙ ጽዑቓት ጎስጓሳት ህግደፍ ካብ ዉሽጢ ክፍልፍሉ ምርኣይ እምበኣር፡ ንዝሕይል ዘሎ ገስጋስ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ዘመስክር እዩ ። ህግደፍ ብመንገዲ ናይ ባህሊን ጎስጓስን ኣሃዱታቱ ኣቢሉ ዕለታዊ ብዛዕባ ደለይቲ ፍትሒ ዘለፍልፎ ዘሎ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ቃልሲ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣስጊእዎ ስለዘሎ ጥራይ እዩ።
ደንበ ፍትሒ ናብ ተግባር ዝሰገሩ መንእሰያት የማእዝንዎ ብምህላዎም : ህግደፍ ብዛዕባ እቲ ደንበ ዝጸንሖ ንዕቀታዊ ኣጠማምታ ፍጹም ከምዝተቐየረ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና። ህግደፍ ብዛዕባ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ስሙ ኣልዒልዎ ዘይፈልጥ ደንበ ፡ መዓልታዊ ኪዛረብን ግብረመልሲ ከባዝሕን ምጅማሩ : እቲ ጸቢብ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ብመድረኻዊ ለውጢ እቲ ደንበ ሰንቢዱን ርዒዱን ምህላዉ ዘመላኽት እዩ።
ወግዓዉያንን ዘይወግዓዉያንን መሓዉራት ዜና: ከምኡ’ዉን ኣሃዱታት ፕሮፖጋንዳን ህግደፍ፡ ዕለታዊ ነዚ ተግባር ዓጢቑ ዘሎ ደንበ ከጸልማ ይሃልካ ምህላወን ዝርአ ዘሎ ኾይኑ: ኣንነትን ትምክሕትን እቲ ራዕዲ ብምፍብራኽ ኽገዝእ ዝጸንሐ ጉጅለ ብባዶ ተራቢሑ : ኩሉ ዓቕምታቱ ነዚ ደንበ እዚ ንምፍራስ ወፊሩ ከምዘሎ ተጋሂዱ ኣሎ።