ህግደፍ ምስ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሓድሽ ምምሕዳር ዋሺንግተን ተተስፍይዎ ዝጸንሐ ፍሕሽዉ ጠመተ ዝሳኽዓሉ ኣይመስልን ዘሎ። ትራምፕ ኣብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምክትል ሓልፍነት ከቐምጦ’ዩ ዝበሃል ዘሎ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ፔተር ፋም ፡ ብርግጽ ነቲ ጽፍሒ እንተሒዙ፡ ንስርዓት ህግደፍ ፈላሚ መርድእ ክኸዉን እዩ።
ኣማባሳደር ፒተር ፋም ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ውህሉል ተመክሮ ዘለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ድማ ከም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዝነጠፈን ኾይኑ፡ ንስርዓታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እዉን ብቐረባ ዝከታተል ምዃኑ ካብቶም ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሒሳባቱ ዘካፍሎም ርይቶታት ኽረጋገጽ ይከኣል።
ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ፡ ህግደፍ ብመንገዲ ዲፕሎማስያዊ መሓዉራቱ ኣብ ኣመሪካ ኣማእኢት ሚልዮናት ዶላራት የኻዕብት ከምዘሎ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ ዘስፈረሉ እዋን ፡ እቲ ኣምባሳደር ብዛዕባ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ስርዓት ህግደፍ ዘይዕግብነቱ ዘንጸባርቕ ርይእይቶ ኣብ ናይ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ሒሳቡ ኣካፊሉ ኔሩ።
ንኸምዚ ዝበለ መሓዉራዊ ገበናት ህግደፍ ናይ ቀረባ ኣፍሎጦን ግንዛቤን ዘለዉ ኣማባሳደር ኣብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፍነት እንተሒዙ ፡ ንህግደፍ ከምጽኣሉ ዝኽእል ተወሳኺ ጸቕጢ ንምርዳኡ ኣየጸግምን።
ዋሺንግተን ፖስት ኣብ’ቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ጽሑፉ ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብመንግስቲ ኣመሪካ ተኣጊዱ እንዳሃለወ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲኡ ግን ሚልዮናት ዶላራት የኻዕብት ከምዘሎ እዩ ኣቃሊዑ። እቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ነቲ ሓበሬታ ዘውጸአ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ’ቲ ዓመት ብፈጻሚ ስራሕ ቆንስል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ኣቶ. ብርሃነ ገብርሂወት ንኣባላት ራብዓይ ግንባር ብመንገዲ ዙም ዘቃነዖ ሚስጢራዊ ኣኼባ ኣብ ኢዱ ድሕሪ ምብጻሑ እዩ።
ኣብቲ ዝለሓዄ ምስጢራዊ ኣኼባ፡ በቲ ፈጻሚ ስራሕ ዝተባህሉን ዝተመሓላለፉን ኩሎም ኣብ ጽሑፉ ዘስፈረ እቲ ኣመሪካዊ ጋዜጣ፡ ክፍሊ ትሬዠሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገዘፍቲ መሓዉራት ህግደፍ ወግዓዊ እገዳ ኣንቢሩ እንዳሃለወ፡ ዲፕሎማስያዊ መሓዉር ህግደፍ ኣብ ዋሺንግቶን ልዑል ገንዘብ እንዳዋህለለ ነቲ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ደልይቲ ፍትሒ ንዝምስረቶም ኽስታት ንኽዕወት የውፍሮ ከምዘሎ ጸብጺቡ ኔሩ።
“ህግደፍን መንግስቲን ሓደ ኣካል እዩ ዝብሉ መራሕቲ ህግደፍ ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዝርከብ ኤምባሲኦም እዉን ኣካል ህግደፍ’ዩ” ክብል ዝጠቐሰ እቲ ጋዜጣ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ብቐረባ ኽከታተሎ ምጽዋዑ ይዝከር።