ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ጸለዉቲ ንኡሳን ኮሚቴታት ዝኾነ ንኡስ ኮሚቴ ንጉዳይ ቻይና፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገዝፍ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምብዳህ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ቤትጽሕፈት ኪኸፍት ጸዊዑ።
ኣቦመንበር እቲ ንኡስ ኮሚተ ጆን ሞልናር ናብ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብ15 ጥሪ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ደብዳቤ፡ ኣመሪካ ኣብ ግዜኡ ተበግሶ እንተዘይወሲዳ፡ ቻይና ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ካብ ሶማል ተፈንጪላ ልኣላዊት ሃገር ናይ ምዃን ድሌታ መዝሚዛ ክትረብሓሉ ከምእትኽእል እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ዶላንድ ትራምፕ ናብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንኩነታት ኣፍሪቃ ዝእክቦም ዘሎ ሰብስልጣን ፡ ዝበዝሑ ሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ኽትረክብ ዘይቃወሙ ብምዃኖን ፡ እታ ርእሰምምሕዳር ልኣላዊት ሃገር ናይ ምዃን ሕልማ ዝገሃድ ከምዝመስል ዝትንትኑ ወገናት ብዙሓት እዮም።
እቲ ንኡስ ኮሚተ ኣብ ደብዳቤኡ፡ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ቤትጽሕፈት ኽትከፍት እንተወሰነት፡ ነቲ ኣብ ሞቓዲሾ ዘሎ መንግስቲ ምጒናይ ከምዘይኮነ ፡ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብያተጽሕፈት ከፊተን ዘለዋ ከም ብሪጣንያ፡ ዴንማርል፡ ኬንያን ታይዋንን ከምኣብነት ብምጥቃስ ሞጊቱ ኣሎ።
ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ተጠቒማ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ዘኽእልዋ ኩሎም ኣማራጺታት ሃሰው ኣብ ምባል እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኣፍልጦ ኽትህባ ንዝነቐለት ዝኾነት ሃገር ገዘፍቲ ዕድመታት ንምግባር ድሕር ትብል ከምዘየላ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ስምምዕ ንምርዳእ ዝከኣል እዩ። እዚ ስለዝኾነ እዩ እቲ ኣመሪካዊ ንኡስ ኮሚተ ፡ ቻይና ነዚ ክፉት ቅሩብነት ሶማሊላንድ ከይትምዝምዞ ሰጊኡ ዝመስል ።