ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝወቅስ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ድሕሪ ካብ 5 ክሳብ 7 ጥሪ ዘቃንዖ ኣኼባ ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ኾይኑ: ፈደራላዊ መንግስቲ ንዉዕል ፕሪቶርያ ብዝጥሕስ መንገዲ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኢድ የእቱ: ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ምስ ፈደራል ብምዉጋን ንህዝቢ እታ ኽልል ይኸድዕ ከምዘሎ እዩ ኸሲሱ።
መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ብህዝቢ እታ ኽልል ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣሚኑ ካብ ዘይተደልየ ምትእትታዉ ክቚጠብ ዝጸውዐ እቲ መግለጺ: ብፍላይ እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ቦርድ ምርጫን ካልኦት ትካላት ፈደራልን ኣብ ልዕሊ ሕጋዉነትን ቀጻልነትን ውድብ ህወሓት ዘዛይድዎ ዘለዉ ጸቕጢ ደዉ ክብል እዩ ኣተሓሳሲቡ።
ብዶክተር ደብረጼን ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣካይዳታት ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ቀጻሊ ዘይዕጉብነቱ ከንጸባርቕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ እዚ ናይ ሕጊ መረረ ግን ወግዓዉነት ብዝለበሰ መልክዑ ይግለጽ ብምህላዉ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራልን እቲ ውድብን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትምማን መሊሱ ዘጋድድ እዩ ዝመስል።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ፡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ፡ ህወሓት ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ጉባኤ ኸካይድ ምእዛዙ ኣይርሳዕን። ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፡ እቲ ብፍሉይ ጉዳይ ክምዝገብ ተጌሩ ዘሎ ህወሓት ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኸካይድ ከምዝግደድ ፡ እንተኾነ ኣብ’ቲ መቓን ግዜ ህወሓት ዛጊት መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጉባኤ ካብ ዘየቃንዕ ልዕሊ 4 ኣዋርሕ ሓሊፉ ከምዘሎ እዩ ።
ህወሓት ብፍሉይ ጉዳይ ክምዝገብ ጥራይ ዕድል ከምዘሎ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2024 ኣብ ዝተነግረሉ :ሻቡ ከምዝተቓወሞን እቲ ናይ ፍሉይ ጉዳይ ምዝገባ ንፖለቲካዊ ሰብነትን ሕጋዉነትን ህወሓት ፍጹም ዘይፈልጥ ምዃኑ ከምዝሞገተን ኣይርሳዕን። ድሒሩ ህወሓት ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ ነሓሰ ኣፍልጦ መንግስቲ ፈደራል ዝተኸልአን መበል 14 ስሩዕ ጉባኤኡ ኸካይድን ናብ መንግስቲ ፈደራል ወጊኖም ዝበሎም ዳርጋ ኹሎም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለኡ ሰጒጉ ብኻልኦት ከምዝቐየሮምን ይዝከር።
እቲ ብፍሉይ ጉዳይ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ ሓጺር እዋን መንግስቲ ፈደራል ዝፈልጦ ጉባኤ ኸቃንዕ ኣለዎ ዝበሃል መሪሕነት ህወሓት ፡ ነቲ መምርሒ ቦርድ ምርጫ ብቐሊሉ ክቕበሎ ዘይመስል እንዳሃለወ እዩ ብመንገዲ ማእከላይ ኮሚቴ ነዚ ሓድሽ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ።
ዝጸንሐ ኣወዳድባ ህወሓት ከምዝነበሮ ክቕጽል ዝብል ጠለብ ዝሰምር ከምዘይመስል ብተቐናቐንቲ ተደጋጋሚ መግለጺታት ከወሃብ ጸኒሑ እዩ። ቤትጽሕፈት መራኸቢታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን ነቲ ካብ መራሕቲ ህወሓት ክመጽ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጠለብ ሕጋውነት፡ በቲ ደልየሞ ዘለዉ ኣገባብ እወታዊ መልሲ ክርከብ ከምዘይኮነ ብወግዒ ኣነጺሩ እዩ።
መንግስቲ ፈደራል ንዉድብ ሕወሓት ከም ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኾይኑ ክምዝገብ ከማልኦ ዘለዎ መለኪዕታት ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ክሳብ ዘየሳኸዐ ፡ ከምቲ ዝጸንሖ ኣቃውማ ኪምዝገብ ፍጹም ከምዘይከኣል ብምሕባር፣ መራሕቲ ሕወሓት ብመምርሒታት እቲ ቦርድ ክሳብ ዘይተማእዘዙ ፡ ጠለባቶም ይኹን ዝሰርዕዎም ምትእኽኻባትን ጉባኤታትን መንግስታዊ ኣፍልጦ ከምዘይህልዎ እዉን ክሕብር ጸኒሑ እዩ።