ኣብ ከተማ ጁባ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሱዳናዉያን ነጋዶ ዝቀላቐል ዘሎ መጥቃዕትታት ኣብታ ከተማን ኪንዮኡን ንዝርከቡ ኤርትራዉያን ክጸሉ ስለዝኽእል ፡ ኣብታ ሃገራ ዝነብሩ ወገናትና ኣብ ምንቕስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙ ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።
በቲ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝቀላቐል ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበለ ንብረት ሱዳናውያን ክዓኑ እንከሎ፡ ፖሊስ ጁባ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዝከእኣሎ ይጽዕት ምህላዉ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ቀርባ እዋን ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንዝነበረት ዋድ መደኒ ኣብ ዝመንዘዓሉ፡ ገለ ኣባላቱ ንዜጋታት ደቡብ ሱዳን እንዳቐተሉን እንዳንገላትዑን ዘርይእ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርጋሑ፡ በዚ ዝተቘጥዑ መንሰያት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሱዳናውያንን ትካላቶምን ሕነ ንምፍዳይ ይንህሩ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
በቲ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢ መጥቃዕቲ ፡ ክሳዕ ንጽባሒቱ ዝቐጸለ ሰዓታት እቶ እቶ ክምሕደር እንከሎ ፡ ዝበዝሑ ንግዳውያን ከባቢታት ከተማ ጁባ እዉን ተዓጽዮም ምውዓሎም ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዋድ መደኒ ዝነብሩ ደቡብ ሱዳናውያን ፈጺምዎ ዝበሃል በደል ፡ ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑን ብቕልጡፍ ክምርመርን ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ኣተሓሳሲቡ እዩ። ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን እዉን እቲ ጉዳይ ብኣገባብ ክጻረ ትእዛዝ ከምዘሕለፈ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ኣዕራብ ኢና ዝብሉ ክፋል ስሜን ሱዳንን ከምቶም ኣብ 2011 ካብታ ሃገር ዝተነጸሉ ደቡብ ሱዳናዉያን ዝበሉ ጸለምቲ ህዝታት ሱዳንን ነዊሕ ዝሰረቱ ቂም ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተረኺብሉ ብቐሊሉ ዝበኣሰ ኣንፈት ኪሕዝ ከምዝኽእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘገንዝቡ።
እዚ እዋናዊ ተርእዮ ኣጸቢቚ ክሳብ ዝሃድእ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብቐንዱ ድማ ኣብ ከተማ ጁባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ዘድሊ ጥንቃቐታት ኽገብሩ ኣድላዪ እዩ።