ብ21 ጥሪ ናይ 2013 ንለውጢ ብዝተብዑ ዉፉያት ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ፈተነ: ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጠዓመ ቅነ ምልኪ ኣሳጒጐም ፍትሒ ከስምሩ ዝኽእሉ ፈተውቲ ሃገሮም ወገናት ከምዘለዉ ካብ ዘመስከራ ታሪኻውያን ዕለታት ከምዝኾነት፡ ምንጭታት ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ቅድሚ 12 ዓመታት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ፈተነ፡ ነቲ “ፍጹም መሊኸ’የ ካብ ስልጣን ዘርሕቐኒ ሃገራዊ ሓይሊ የለን” ኢሉ ዝንየት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ሸሚሙ፡ ክሳዕ እዚ ሰዓት እዚ ዉሕስነት ከይስምዖ ጌሩ ዘሎ ፈተነ ምዃኑ ዘምልከቱ እቶም ምንጭታት: ናይ ዓመተ 2013 ስርሒት ፎርቶ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንሃገሩ ካብ ግዳማዊ ጸላኢ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዘቤታዊ ዓማጺ እዉን ከድሕን ሓላፍነት ከምዘለዎ እተዘኻኽር ረዛን ዕለት ከምዝኾነት ኣገንዚቦም።
እቲ ድሒሩ ስርሒት ፎርቶ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ፍጻሜ : ነጻነት ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ድሒሮም ድማ ልኣላዉነት ኣብ ምዉሓስ ብዘይሰልከዩ ምዑታት ውሑዳት ወተሃደራዉያን ኣዘዝቲ ተመሪሑ ዝተተለመ ወፍሪ ምስጓጋ ምልኪ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ: ብሰሪ ንኡስ ሸለልትነትን ጥልመት ገለ ፈተውቲ ነብሶም መራሕቲን ከምዝተሰናኸለ ኣይርሳዕን።
ስርሒት ፎርቶ ዝህቦ ዘየቋርጽ መልኽቲ : ህዝቢ ኤርትራ መዓስን ኣበይን ብዘይነግር ዘቤታዊ ንቕሎ ፈተውቲ ሃገሮም ፡ ፍትሕን ሓርነትን ኽግዘም ከምዝኾነ እዩ። ኣብ ስደት ሕሉፍ ድኻማቱ እንዳዝፈፈ ሓባራዊ ዕላማ ኣቐዲሙ ዝወዳደብ ዘሎ ቃልሲ ፡ ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ፡ ዘይለኻኽም ዕድል ዝጽበ ዘሎ ካልእ ሃገራዊ ሓይሊ እንዳተናበበ ዝጓዓዘሉ እዋን ተበጺሑ ምህላው እዉን ኣይዝንጋዕን።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ ውሽጥን ስደትን – ሓርነትን ራህዋን ህዝቦም ዝቐልቦም ኤርትራውያን ልዕሊ ካልእ እዋን በሊሖም ተቢዖም ከምዘለው ተርዲኡ ኣብ ደረጃ ምቚራጽ ተስፋ ዘሎ ኮይኑ: ነዚ ብምግንዛብ – ኩሎም ንጽባቐን ዕቤትን ኤርትራ ነቒሎም ዝደኽሙ ዘለዉ ወገናት ኣብ ዉዱብ ናህሪ ዓሲሎም ሕልሚ ህዝቦም ከሳኽዑ ዓጸፋ ኣበርቲዖም ክሰርሑ የድሊ።